መቐለ ቤት ህንፀት ማእከል ንሕጊ ተሃነፅቲ ን 2012ዓ/ም ንሓደ ዓመት ማይን መብራህትን ብመንግስቲ ዝክፈል ዉዕሊ ኣሲሩ ምግቢ ከቅርብ ንዝክእል ሕጋዊ ነጋዳይ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ

ማእከል ህንፀት ውቅሮ ንተሃነፅቲ ሕጊ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ክምግብ ዝክእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ፡፡

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ መኪና መለዋወጢ፣ ህ/መሳርሒ፣ ፅ/መሳርሒ፣ ሆቴል ማናጅመንት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ፡፡

አካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንኣካዳሚና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ካፍቴሪያ ግልጋሎት፣ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ፤

ቤት ህንፀት መቐለ ንሕጊ ተሃነፅቲ ን2011ዓ/ም ንዓመት ማይን መብራህትን ብመንግስቲ ዝኽፈል ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ዝደሊ ነጋዳይ ውዕሊ ክኣስርን ከምኡውን ሓደገኛ ሓፁርን ናይ ኤሌክትሪክ ንብረትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ንብረትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ።

ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ምክሪ ን2011 በጀት ዓመት ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ሎት 1-መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ሎት 2- ጎማ መኪና ሎት 3- ፅሕፈት መሳርሒ ሎት 4- ኣገልግሎት ካፍቴርያ ሎት 5- ኣገልግሎት ፅሬት፣ ካብ ሕጋውያን መቅረብቲ ኣገልግሎት ክረክብን ክዕድግን ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ንሓደ ዓመት ብኹንትራት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከመግብ ስለዝደለየ፤

ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ዓበይቲ መካይን ፅገና ፣ ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና፣ ናይ ስፖርት ዕጥቂ ምቅራብ፣ ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ምሃብ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ደጀና ኬምካል ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ኣብ እንዳሰላማ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ሳይቱ በዙሓት ግዜያውን ቀወምትን ሰራሕተኛታት ሓቒፉ ኣብ ምስራሕ ዝረከብ እንትኸውን ነዞም ሰራሕተኛታት ግልጋሎት ዝውዕል ፅሬቱ ዝሓለወን ብተመጣጣኒ ዋጋን ምግቢ፣ ልስሉስ ትኩስን መስተ ዘቕርብ ሞያን ልምድን ዘለዎ ትካል በዞም ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ መዐቀንታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ነዙይ እተማልኡ ሕጋውያን ትካላት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ንናይ ግቢና ተምሃሮን ሰራሕተኛታት ግልጋሎት ዝውዕል ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዘመን ንካፍቴሪያ ተወዳደርቲ ዝወፅእ ምልክታ ኾይኑ ማለት ማይን መብራህትን ገዛን ብናይ ድርጅት ኮይኑ ካብ ብዓልኩም ድማ ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ኣማሊእኹም ንኽትውዳደሩ ንዕድም።