ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ምክሪ ን2011 በጀት ዓመት ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ሎት 1-መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ሎት 2- ጎማ መኪና ሎት 3- ፅሕፈት መሳርሒ ሎት 4- ኣገልግሎት ካፍቴርያ ሎት 5- ኣገልግሎት ፅሬት፣ ካብ ሕጋውያን መቅረብቲ ኣገልግሎት ክረክብን ክዕድግን ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ምክር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ብመምርሒ ሕዳስ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎ ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣታሓሒዙ ዘቅርብ

2 ናይ ግብሪ ካፋሊ መለለይ ቑፅሪ ( tin number)  ዘለዎ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቅርበ

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ንሕድሕዶም  ሎት 5000.00 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል

4 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ሒሳብ ክፍሊ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ ብር 50.00 ቅርሺ ጥራሕ ብምክፋል ካብ ዕለት 17/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል።

5 ናይ ጨረታ መረዳእታ ተመሊኡ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 08 ክሳብ 01/04/2011ዓ/ም ክሳብ 8:30 ድ/ሰዓት ከእትዉ ዝኽእሉ፤  

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 01/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 9:00 ይክፈት መቅረብቲ ብናይ በዓሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ። ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ ሎት 1-መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ሎት 2- ጎማ መኪና ሎት 3- ፅሕፈት መሳርሒ  ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾነን ክሳብ 30/02/2011ዓ/ም ዝርዝር ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤ ሎት 4- ኣገልግሎት ካፍቴርያ ሎት 5- ኣገልግሎት ፅሬት፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘይሓተት ምዃኑ ነፍልጥ፤

7 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ዓይነት ንብረት ብናይ በዓሎም መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ናብ ቤት ፅሕፈት ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፤

8 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ።

10 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን ካብቲ መጀመሪያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ 20% ካብ ነብስ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

11 ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ሙሉእ ዉሕስና ክህብ ዝክእል፤

12 ንርከበሉ ኣድራሻ ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344-416570 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo