ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ንናይ ግቢና ተምሃሮን ሰራሕተኛታት ግልጋሎት ዝውዕል ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዘመን ንካፍቴሪያ ተወዳደርቲ ዝወፅእ ምልክታ ኾይኑ ማለት ማይን መብራህትን ገዛን ብናይ ድርጅት ኮይኑ ካብ ብዓልኩም ድማ ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ኣማሊእኹም ንኽትውዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

 ኣብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ኣቅራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቋሕታት

1 ኣብዚ ክሳተፍ ዝደሊ ተወዳዳሪ ነጋዳይ ምስቲ ዘቕርቦ ተዛማድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2010 ዓ/ም ወርሒ ሓምለን ልዕሊኡን ዝትሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝኽእል

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎን መቅረባይነት ዝተሓደሰ ከቕርበ ዝክእል ተመዝጋቢ ዝኾነን መምርሒ የማልእን ይግደድን እዩ፣

3 እንተማሊኦም ብደኣንት ዝተወደቡ መናእሰይ ቅድሚያ ይህብ እዚ ማለት ኣብ ቁፅሪ 1ን 2ተን ዝተጠቀሱ መምረሒ ታት ዕደጋ የጠቃልል ማለት እዩ።

4 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ)ቅርሺ ብናይ ኢትዮጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንክታት ሲፒኦ ምቅራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ

5 ዘሸነፈ ምኻኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ውዕሊ መኸበሪ ከትሕዝ ፣ኣትሒዙ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብቲ ትምህርቲ ዝጅመረሉ እዋን ስርሑ ዝጅምር

6 ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 30.00 ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 10/01/2011 ዓ/ም -24/01/2011 ዓ/ም ሰነድ ንክትገዝኡ ንጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ እዩ።

7 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 24/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 24/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን።

8 ኣብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ኣብ ዝፍፀም ግልጋሎት ንምስታፍ ኣብ ናይ ካፍቴርያታትን ተመሳሳሊ ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ ኣለዎም።

9 ጨረታ እንትኽፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም።

10 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረተ በሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን ብተወሳኺ በቢ6ተ ወርሒ ዝሕደስ ምዃኑ ንሕብር

ኣድራሻና ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo