ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ንሓደ ዓመት ብኹንትራት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከመግብ ስለዝደለየ፤

ማእከል ቤት ሕንፀት ራያ አላማጣ

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ግብሪ ዝኸፈለን፣ናይ መቅረባይነት ዘለዎ ምዃኑ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል ፤

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢዝኾነን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላይነት ከቅርቡ ዝኽእሉ ፤

4 ተጫራታይ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዐቀኒ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ፊርማን ማህተምን ንፁር ኣድራሻ መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ።

5 መኸበሪ ጨረታ 25000.00 (ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ ) ብምክፋል ደ/ከ/ስ/ዐ/ፋ/ምም/ር/ንበረት ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ወይ ኣብ ከይዲ ሓዱሽ ፕሮጀክት ቢሮ ቁፅሪ 04 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

7 እዚ ጨረታ ካብ 10/03/2011-02/04/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ።

8 እዚ ጨረታ 02/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኣብ ከይዲ ሓዱሽ ፕሮጀክት ዝተሰርሐ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

9 ንመብራህቲን ማይን ዝኸፈል ወፃኢ ብመንግስቲ ይሽፈን።

10 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን ።

11 ናይ ምግብናን ተመሳሳሊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ነዚ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ ካብ ምብራር ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉን ቢድ ቦንዱ ይውረስን።  

12  ጨረታ ምስተከፈተ ብዓርሰ ድሌት ካብ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን።

13 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14 ናይ 2ይን 3ይን 1ይን ሰዓራይ ከሳብ ውዕሊ ዝኣሰር መኸበሪ ጨረታ ( ቢድ ቦንድ) ተተሓሒዙ ይ ፀንሕ።

15 ጨረታ ቦታ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኮይኑ ኣብቲ ሓደሽቲ ፕሮጀክት ዝተሰርሐ ይኸውን።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785717/0914-755064 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo