ቤት ህንፀት መቐለ ንሕጊ ተሃነፅቲ ን2011ዓ/ም ንዓመት ማይን መብራህትን ብመንግስቲ ዝኽፈል ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ዝደሊ ነጋዳይ ውዕሊ ክኣስርን ከምኡውን ሓደገኛ ሓፁርን ናይ ኤሌክትሪክ ንብረትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ንብረትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ።

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ብምግብና ዝወዳደሩ ብናይ ምግቢ ኣቅርቦት ወይ ሆቴል ኣብቶም ካልኦት ዝወዳደሩ ድማ በቢ ስራሕ ዘርፎም ናይ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቃድን ናይ 2011 ዓ/ም መቅረባይነትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።  

2 ቲን መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ድክሌር ዝገበረ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንምግብና 5000.00ብር ንሓደገኛ ሓፁርን ኤሌክትሪክን ፅሕፈት መሳርሒን ድማ 2000.00 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም።

4 ተወዳደርቲ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅለላ ዋጋን ምስቫቱ ዋጋ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋመምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስጣ ኦርጅናልን ኮፐን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ወከሰዕፋንምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ። ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን። ኣብ ናይ ባዕሉ ዋጋ መምልኢ ዋጋ መሊኡ ኣብ ሳፁን ዘእተወን ስርዝ ድልዝ ዝኮነን ፌርማን ማህተምን ዘይብሉ ካብቲ ጨረታ ውድቂ ይግበር።

5 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንምግብና ዘይምለስ 50.00 ብር እናከፈሉ፣ ንሓደገኛ ሓፁርን ኤሌክትሪክን ፅሕፈት መሳርሒን ዝወዳደሩ 30.00 ብር እነናኸፈሉ ካብ  ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ /ምም/ር/ን ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ። እቲ ጨረታ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ሰዓት 5:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብዘይተረከብሉ ይክፈት።

6 ኣብ ንሓደገኛ ሓፁርን ኤሌክትሪክን ፅሕፈት መሳርሒን 20% ክዉስክን ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ።

7 ኣብ ምግብና ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ብዘይካ መብራህትን ማይን ኩሉ ናይ ሰራሕተኛታት ይኹን ካሊእ ወፃኢታት ብባዕሎም ይሽፈን።ብተወሳኺ መብራህቲ እንትጠፍእ ዕንፀይቲ ገዚኡ ብባህላዊ መጎጎ ወይ ብናይ ምሳሕን ድራርን ግራም መሰረት ባኒገዚኡ ወይ ነዳዲ ናይ ጀነሬተር ባዕሉ ብምሽፋን ብሰዓቱ ክምግብ ዝኽእል፤

8 ኣብ ከይዲ ጨረታ ከጭበርብር ምዝባዕን ዝፈተነ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ውድቂ ኮይኑ ዘትሓዞ መኸበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ ብሕጊውን ዝጥየቅ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

9 ሰዓሪ ትካል ዘከፈሎ ገንዘብ ንምግብና ልዕሊ 3000.00 ብር እንተኮይኑ ንኤሌክትሪክ ሓደገኛ ሓፁርን ፅሕፈትን ልዕሊ 1000.00 ብር እንተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝከፍል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። እዚ ጨረታ ድሕሪ ምኽፋቱ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንዕ።

10 መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411454 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo