ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ንዝስራሓ ማእከለዎት ጎዳጉዲ ከስርሕ ስለዝደለየ ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዘኾንኩምን ተወዳደርቲ ከምኡውን ንዝትፈላለዩ ስራሕቲ ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ማሽነሪታት፣ደረቅ ፅዕነት፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና /ስፔር ፓርት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ካብ ኤች ፒ ፕሮግራም ዝተረከበ በጀት ኣብ ጣብያ ሰለክለካ ቁሸት ሽፈራው መሌ ንዝስራሕ ሄድዎርክ ፊኒሺንግን ካናል ዎርክን ብቁዓት ናይ ማይ ኮንትራክተራት ብፕሮፎርማ አወዳደዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ካብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ ቤት ፅሕፈት መዓድንን ኢነርጅን ደረጃ 10 ገንኢ ምስካናል ንናይቲ ወረዳ ዝልጠፉ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ዝተወደቡ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ወይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከ/ስ//ፋይ/ምም/ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ብናይ ሰራሕተኛታት ተፅዕኖ ምንካይ ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጂን ብቤት ፅሕፈት ዝስራሕ ኣብ ወረዳና ዝርከብ ጣብያ ሑፃፅ 10ተ ናይ ሓባር ዒላ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዓዲሓቂ ግቢ ንዝርከቡ ሰልጠንቲ1- ፅሩይ ማይ ናብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዓዲሓቂ ግቢ ንዝርከቡ ሰልጠንቲ ዘቅርቡ እና 2- ናይ ደብርብርሃን ኮበርታ ዝሐፅቡ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ከሕፅብ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጂን ወረዳ ዓድዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ምጉዕዓዝ ከባብያዊ ማተሪያል እምኒ፣ ሑፃ፣ ጃህያን ሲሚንቶን : ከምኡውን ካዕቲ ማይ ማእኸላይ ናይ ጎዳጉዲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ከጎዓዓዝን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ካብ ናይ ስደተኛታት ፅዕንቶ ነካይ ልምዓት ፕሮጀክት ዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ኣብ ዝተፈላላያ ጣብያታት ሓደ ሓድሽ ቼክዳም 6ተ ነባር ቼክዳምን ብፕሮፎም ኣወዳዲሩ ንምስራሕን ንምፅጋንን ስለዝደለየ ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ደረጃ 9ተ ልዕሊኡን ዘኾንኩምን ተኾናተርቲ ነዞም ቀፂሎም ዝቀረቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ተኾናተርቲ ንኽትጫረቱ ይዕድም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣብ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ጣብያ ደ/ናዝሬት ቁሸት ምዓም ኣጣሊ (ሓደ ራህያ)፣ ኣብ ጣብያ ኣማኒት ቁሸት ዓዲ ቀሸፎ ዝስራሕ ሓደ ራህያ ንመስተ ማይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ብማሽን ክነኩዕት ስለዝደለና ነዚ ረቋሒ እተማልኡ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ጣብያታት ዘሰን ገምሃሎን 14 ናይ ሓባር ዒላታት ንምስራሕ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ ማይ ብደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከምኡውን ናይ ቤት ፅሕፈት ማኑፋክቸሪንግ ማሽነሪታት ምዕዳግ ስለዝደለየ ናይ ማሽነሪታት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወሳኪ ኣብ ወረዳና ዝርከባ ጣብያታት ዝርከቡ ከተማታትን ዝተፈላለዩ ደረቅ ፅዕነትን ውዕሊ ኣሲሩ ንምጉዕዓዝ ስለዝደለየ ናይ ደረቅ ፅዕነት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ።

The Tigray Regional State of Water Resource Bureau invites sealed bids from eligible bidders for the procurement of supply and installation of submersible pumps