ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ንዝስራሓ ማእከለዎት ጎዳጉዲ ከስርሕ ስለዝደለየ ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዘኾንኩምን ተወዳደርቲ ከምኡውን ንዝትፈላለዩ ስራሕቲ ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ማሽነሪታት፣ደረቅ ፅዕነት፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና /ስፔር ፓርት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ብናይ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ፍቃድ ንግዲ ፣ ናይ ማሽነሪ ናይ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና /ስፔር ፓርት/ ፣ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተጫረቲ ነዞም ቀፂሎም ዝቀረቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ንኽትጫረቱ ይዕድም።

1 ሙሉእ መረዳእታ ማለት ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም፣ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ብዘይካ ናይ ደረቅ ፅዕነት ተወዳደርቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፣ንናይ ማይ ካዕቲ እትወዳደሩ ተኮናተርቲ ዝተሓደሰ ብርኪ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል፤ ክምኡውን መቅረባይነትን ካልኦት መረዳእታታትን ሓዊሱ ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ክልቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።ከምኡ ውን ንቴክኒካል ዋናን ቅዳሕን ብምባል ብምዕሻግ ብፖስታ ብምጥማር ኣብ ናይ ቴክኒክ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ዝክእሉ፤

3 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጓደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

4 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድለይቲ መረዳእታት ከቅርብ ዝክእል፣ ኣብ ደረቅ ፅዕነት እትወዳደሩ ተወዳደርቲ ሊብሮ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ፣ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ተጫረቲ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ሓምሳ ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4 ክትወሰዱ ትክእሉ።

6 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ወይ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ንማይ ካዕቲ 15100.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንናይ ኣቅሑ ዕድጊት ድማ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክትሕዙ እትክእሉ፤

7 ተጫረቲ ስዒርካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ውፅኢት ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን፣ ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 እቲ ጨረታ 20/05/2011- 11/06/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ። እዚ ጨረታ 11/06/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።

9 ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ናይ ማይ ስራሕቲ ፋይናንሻል ውፅኢት ዕለት 14/06/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።ተጫረቲ ዘይምርካም ጨረታ ሰነድ ካብ ምክፋት ኣይክልከልን፤

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo