ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ጣብያታት ዘሰን ገምሃሎን 14 ናይ ሓባር ዒላታት ንምስራሕ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ ማይ ብደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከምኡውን ናይ ቤት ፅሕፈት ማኑፋክቸሪንግ ማሽነሪታት ምዕዳግ ስለዝደለየ ናይ ማሽነሪታት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወሳኪ ኣብ ወረዳና ዝርከባ ጣብያታት ዝርከቡ ከተማታትን ዝተፈላለዩ ደረቅ ፅዕነትን ውዕሊ ኣሲሩ ንምጉዕዓዝ ስለዝደለየ ናይ ደረቅ ፅዕነት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ንናይ ማይ ስራሕቲ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ  ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረእታ ከቅርብ ዝክእል ክምኡውን ብቢሮ ሃፍቲ ማይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ዘቀርብን ዝተሓደሰ ናይ ደአንት ብርኪ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል፤ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ክልቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምነ ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

3 ንናይ ማሽነሪነታትን ደረቅ ፅዕነትን ንምጉዕዓዝ እትወዳደሩ ነጋዶ በቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ሙሉእ መረዳእታ ማለት ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም፣ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ፣ መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላይነት ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም፣ ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ፣ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገብኩምን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብተጫረቲ ዝተመልአ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ነነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጋደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

5 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4 ክትወሰዱ ትክእሉ።

7 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ  ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ንስራሕቲ ማይ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንናይ ማሽነሪታት ደረቅ ፅዕነትን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ እትክእሉ፤

8 ናይ ስራሕቲ ማይ ተጫረቲ ስዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን፣ ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 5% ከትሕዝ ዝኸእል፤

9 ናይ ማሽነሪታት ንብረት ዝስዓረ ከምኡውን ናይ ደረቅ ፅዕነት መጎዓዕዝያ ዝስዓረ ስዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን፣ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝኸእልን ንብረት ኣብ ውሽጢ 25 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል ፤

10 እቲ ጨረታ 13/03/2011- 03/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 አብ አየር ይፀንሕ። እዚ ጨረታ 03/04/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo