ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ካብ ናይ ስደተኛታት ፅዕንቶ ነካይ ልምዓት ፕሮጀክት ዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ኣብ ዝተፈላላያ ጣብያታት ሓደ ሓድሽ ቼክዳም 6ተ ነባር ቼክዳምን ብፕሮፎም ኣወዳዲሩ ንምስራሕን ንምፅጋንን ስለዝደለየ ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ደረጃ 9ተ ልዕሊኡን ዘኾንኩምን ተኾናተርቲ ነዞም ቀፂሎም ዝቀረቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ተኾናተርቲ ንኽትጫረቱ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ሙሉእ መረዳእታ ማለት ናይ 2009ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም፣ ናይ 2010ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ  ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ክምኡውን  መቅረባይነትን ካልኦት መረዳእታታትን ሓዊሱ ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ክልቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጓደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

4 ቴክኒካል መለከዒ ክሓልፍ ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 (ሳላሳ) ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4 ክትወሰዱ ትክእሉ።

6 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ወይ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክትሕዙ እትክእሉ፤

7 ተጫረቲ ስዒርካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ውፅኢት ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ 5 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን፣ ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 እቲ ጨረታ 05/04/2011- 12/04/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ። እዚ ጨረታ 12/04/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo