ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ካብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ ቤት ፅሕፈት መዓድንን ኢነርጅን ደረጃ 10 ገንኢ ምስካናል ንናይቲ ወረዳ ዝልጠፉ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ዝተወደቡ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ወይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎን ክከውን ኣለዎ

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ዝኮነን ናይ 2011ዓ/ም ወርሒ ሕዳር ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መቅረብቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ከተማ ኩሓ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ክፍሊ ቁፅሪ 02 ምውሳድ ይከኣል፤

5 ኣብ ናይ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በብበይኖም ኣብ ሓደ ኢንቨሎፕ ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም::

6 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ንደረጃ 10 ገንኪ ምስ ካናል እውን  5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንዝተረፉ ድማ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ 15/05/2011ዓ/ም ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ 30/05/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

8 ሰዓራይ ዝፍለየሉ ብዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ሰዓራይ ይከውን

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም። እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ፣ ማህተም፣ ፊርማ ንክህልዎ ኣለዎ:: ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ ድማ እቲ ዘቅርቦ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን:: ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ድማ ብማርከር ንፁር መረዳእታ ክዓርፎ ይግባእ::

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናሰን መሰል ኣለዎ::

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ0342-400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo