ቤት ፅሕፈተ ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ንወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቲ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ኣቅሑት ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን ፣ ኣቅሑት ዕጥቂ ስፖርት ፣ ናይ መኪና ፅገናን ናይ ኢድ ሞያን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ስለዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ እትደልዩ ነጋዶ ካብ ዕለት 12/12/2012ዓ/ም ክሳብ 26/12 /2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣብ ወረዳና ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ንዕድም

ኣብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ናይ ሕትመት መቕረብትን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከሐተም ይደሊ

ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘርፊ ማሕበራትን መቐለ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ዉፅኢት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዘለዉ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ኣብያተ ሕትመት ክትወዳደሩ ንዕድም

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣብ ዙርያ ባህልን ረብሕኡን ዝገበሮም መፅናዕቲ ብመፅሄት ከሐትም ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረትን ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝዉዕል ፎቶ ኮፒ ዝገብሩ ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ብኩንትራት ምሓዝ ይደሊ

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ንብረታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ሎት 2 ስራሕቲ ሕትመት ሎት 3 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት 1 ናይ ፅሬት ግልጋሎት ሎት 2 ካፍተርያ ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ንደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ሎት 3 ሕትመት መፅሄትን ቡክ ሌትን ካብ ሕጋዉያን መቅረብቲ አወዳዲሩ ናይ ዉዕሊ ብምእሳር ክዕድግ ስለዝደለየ

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዕደጋ ንቤት ፅሕፈትና ክ/ከተማ ሰሜን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክነሐትምንደሊ / ናይ ትራፊክ ፓድ መኸሰሲ በዝሒ 100/

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉለመከዳ ን2013ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ዝርከባ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞዴል ዘለዎን መካይን ሰርቪስን ፅገናን ንምግባር ግልጋሎት በዓል ሞያ ጋራዥ ንምቅራብ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞዴል ዘለዎን ሞተር ሳይክላት ፅገና ሰርቪስን ንምግባር ግልጋሎት በዓል ሞያ ጋራዥ ንምቅራብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ፎቶ ኮፒ ማለት አዉን ቅዳሕ ንክረክባ ናይ ፎቶ ኮፒ ግልጋሎት ንምቅራብ ከምኡ ድማ ኣብ ክልቲኤን ኣበያተ ፅሕፈት ፖሊስ ማለት እዉን ኣብ ወና ወረዳ ቤት ፅሕፈት ፋፂን ኣብ ኑኡስ ወረዳ ሰነያ ቤት ፅሕፈት ፖሊስን ብዝተፈላዩ ምክንያት ብገበን ተጠርጢሮም ንዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ቀለብ ንምቅራብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ ናይ ባይቶና መፅሓፍ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክሐትም ይደሊ