ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ኣብ 2016 ዓም ካብ ባንኪ ዓለም UIIDP ብዝተረከበ በጀት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ናይ ደግም ህንፀት ቤት ማዘጋጃ ካዳስተር ህንፃ ስራሕቲ ንምስራሕ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ደረጃ 9 ኣናሽተይ BC / GC ብርኪ ስራሕ ፈቃድ ንዘለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዉልቀ ኮንትራክተራት ወይ ደኣንት ሽርካና ማሕበር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ

ዓዲ -ሓ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ናየ 2016 ዓም ብዉሽጢ ዝተሐደሰበ በጀት ክልተ ክፍልን ሐደ ናይ ዋርዲያ መሕለዉን ቆርቆሮ ከስርሕ ይደሊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ንዘለዎም ሰብ ሞያ ኮንስትራክሽን ከስርሕ ይደሊ

ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ህንፃ መስረሒ ኮሜቴ ሓዱሽ ህንፃ ቤተክርስቲያን ብናይ ጉልበት (ሰብ ሓይሊ) ዋጋ ንህንፃ ተቐረፅቲ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ኣብ 2016 በጀት ዓምት ንሐፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ መቐለ ፅገና ንምግባር ብስራሕቲ ፓኬጅ ብርኪ ፍቃድ GC 7 ልዕሊኡን ዘለዉ ተኮናተር ስራሐ ዝኮኑ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ኢንተፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ስራሕቲ ኮር ድሬሊንግ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ በቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

አብ ቤተ መዘጋጃ ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ኣብ 2016 በጀት ዓመት ኣብ ጣቢያ ብርሽዋ ካብ ዋና ፅርጊያ ሒዙ ናብ መነሃሪያ ዘዉርድ ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ንምስራሕ ደረጃ 8 BC/GC ብርኪ ፍቃድ ደቂቅ ንግዲ ትካላት ዘለዎም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብናይ ኮንስትራክሽን ብማሕበር ወይድማ ብዉልቀ ደኣንት ዝተወደቡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ኣብ ዋና ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፃን ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ናይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ህዝባዊ ቤተ ንባብ መቐለ እወክማ ብብርኪ 8 ጠቅላላ ስራሕቲ ተኮናተርቲ GC ደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ብርኪ ፈቃድ ዘለኩም ስራሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከፀግን ይደሊ

ኣብ ዋና ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፃትን ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ንናይ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ከተማ መቐለ ሀ ን ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ማሪያም ምድሓን ህነፃ ስራሕ ንምስራሕ ብፓኬጅ ደረጃ ፍቃድ GC /BC7 ልዕልኡን ብርኪ ፈቃድ ዘለዎ ስራሕ ተኮናተር ዝኮኑ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ ለ ን ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝርከብ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ ሰላም ህንፃ ንምስራሕ በፓኬጅ ደረጃ ፍቃድ GC /BC7 ልዕልኡን ብርኪ ፈቃድ ዘለዎ ስራሕ ተኮናተር ዝኮኑ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

አብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ን2016 በጀት ዓመት ዘድልዮ ናይ ሓለዋ (ዋርድያ) ግልጋሎት ን2ይ ግዜዝወፀ ግልፂ ጨረታ ንምሕላው(ንምስራሕ)ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮና ስቶራትን ዋና ቢሮን ፤ ብውልቀን ብማሕበርን ንዝተደራጀዩ ኣወዳዲሩ ንምሕላው(ንምስራሕ) ከምኡ ውን ንመጀርያ ግዜ ዝወፀ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት ንምዕዳግ ስለ ዝደለየ በዚ ዝስዕብ መለክዕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ንክወዳደሩ ይዕድም ።

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ መቐለ ከይዲ መንገዲ ፕሮጀክት ናይ ሮድ ማርኪንግ ስራሕ ብንኡስ ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ