ኣብ ቤት መዘጋጀ ከተማ ሸረ እንዳስላሴ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ብናይ ቤት መዘጋጀ በጀት ኣብ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ኣብ ቐበሌ 01 ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ህንፃ ፅገና ስራሕ ንምስራሕ ብደረጃ 8 ብርኪ ፍቃድ ንእሽተይ ንግዲ ትካላት ኮንስተራክሽን ማህበራት ዉልቀ ዳኣንት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅሪን ኣናሽተይን ትካላት ንግዲ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት  :  ፍቃድ ስራሕ ንግዲ  : ምስክር ወረቀት ተመዝጋባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ ምስክር ወረቀት :  ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተራይነት  ምዝጋበ ወረቀት  :  መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ : ወረቀት መቅረባይነት ክቅርብ ዝክእል

2 መከበሪ ጨረታ ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ /50000 / ኮይኑ ብብሄራዊ ባንኪ ኢትየጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሻል ትካል ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉስና ባንኪታት ወይ ፋይናንስዊ  ትካላት ብዘረጋገፆ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ማለት እዉን ብስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረክበሉ ዕለት ጅሚሩ ኣብ ዉሽጢ ተካታተልቲ 90 ማዕልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 21 ለካቲት  2016 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቢሮ ቁፅሪ 11 ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ዝመለእዋ ዋጋ ምስ ሙሉእ ዋና ሰነድ ጨረታ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝግባእ ድማ ዝርዝር እስፒስፈክሽን ስራሕ መጠቀላሊ ድምር ዋጋን ዲዛይንን ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅቲ ኣናሽተይን ትካላት ንግዲ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ፍቃድ ስራሕ ንግዲ : ምስክር ወረቀት ተመዝጋባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ :  ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተራይነት  ምዝጋበ ወረቀት  :  መለለይ ቁፅሪ  ከፋላይነት ግብሪ : ወረቀት መቅረባይነት ክልተ ቅዳሕ ከቅርቡ አለዎም

6 እቶም ሰነዳት ኣብ ዝተፋላለዩ ፖስታት በቢበይኖም ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታት ኣብ ካልኢ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሐፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 12/7/2016 ዓም ክሳብ ሰዓት 2:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

7ተጫረቲ እቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፈሪሞምን ማህተም ብምዕራፍን እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽወጥ እንተሎ ዝነበረ ከይኣጎደለ ከቅርቡ አለዎም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ 12 መጋቢት 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ሰራሕ  ዲዛይንን ህንፀትን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቢሮ ቁፅሪ 11  እቲ ጨረታ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሐፈት ወይ ከይዲ ስራሕ ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ንምርካብ ስልኪ 0914769605 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo