ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ ብናይ ፕሮጀክት ልምዓት ምላሽ ፅዕንቶ ስደኛታት ምዕራፍ ክልተ ማለት እዉን ዲኣር ዲኣፒ ክልተ ብዝተረከበ ድጋፍ በጀት መሰረት ኣብ ጠብያ ሰደር ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ሐደ ብሎክ በዓል ኣርባዕተ መምሃሪ ክፍሊታት ብህድም ከስርሕ ስለዝደለየ ደረጃ 8 ልዕሊኡን ብስራሕቲ ህንፃ ኮስትራክሽሽ ማለተ እዉን BC ወይድማ ብስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን መንገድን ማለት GC ፈቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንትራክተራት ወይ ተጫረቲ ኣወዳዲሩ በቲ ዝተዳለወ ዲዛይንን እስፐስፊኬሽንን ሙሉእ ህንፀቱ አብ 2016 ዓም ክፍፅም ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2012 ስራሕቲ ህንፃን ኮንስትራክሽንን ማለት እዉን BC ወይ ብስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን መንገድን ማለት GC ፈቃድ ስራሕ ዘለኩምን ብቅዳሕ ዝተትሓዘ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቅዳሕ መረዳእታ እተቅርቡ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ቅዳሕ መረዳእታ እተቅርቡ

4 ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ  2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከፈልክምሉን ሒሳብ ዘወራረድክምሉን መረዳእታ እተቅርቡ

5 2016 ዓም ስራሕቲ ህንፃን ኮንስትራክሽንን ማለት እዉን BC ወይ ብስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን መንገድን ማለት GC ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርዲ እተቅረቡ

6 ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሐደ ፕሮጀክት ናይ 4,000,000 / ኣርባዕተ ሚሊይን ቅርሽ ልዕሊኡን/ ቅርሺ ስራሕ ልምዒ ዘለኩምን ካብ ናይ መንግስቲ ቤት ፅሕፈት ሕጋዊ ዝኮነ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ዋና መረዳእታ ድሕሪ ምክፋት ጨረታ ናብ በዓል ዋና ዝመለስ ይከዉን

8 ኩሎም ንህነፀት ዘድሊዩ መሳርሒታት ብፍላይ ዋና ዋና ማሸነሪታት ሚክሰር ቫይቭሪተር ዲናሞን ካልኦትን ናይ ዋንነት መረጋገፂ መረደእታ በዓቀቢ ሕጊ ዝፀደቀ ሕጋዊ ናይ ኪራይ ስምምዕነት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

9 ኩሎም እተቅርበዎም መረዳእታ ቅዶም ብዝግባእ ዝረአ ዘይደናቅፍን ዘየደናግርን ክከዉን አለዎ

10 ኩሎም ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑት ብዘሸነፈ ኮንትራክተር ወይ ተጫራታይ ዝቀርብ ይከዉን

11 መከበሪ ጨረታ 50000 / ሓምሻ ሽሕ ቅርሺ / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ከቅርብ ዝክእል

12 ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እተደልዩ ተጫረቲ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንበረትን ከተማ ሸራሮ ዘይመለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ዕለት 9/8/2016 ዓም ክሳብ 21/8/2016 ዓም ምዉሳድ ትክእሉ

13 ጨረታ ዝፀወሉ ዕለት 21/8/2016 ዓም ረፋድ ሰዐት 4:00 ኮይኑ ተጫረቲ መፅወዒ ሰዓት ክሳብ ሰነድ ጨረታ ናይ ምግዛእ መሰሎም ዝተሐለወ እዩ

14 ከይዲ ጨረታ ፋይናንስን ዕደጋ ኮሜቴ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ተዓዘብትን ኣብ ዝተረከቡ 21/8/2016 ዓም ረፋድ ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ሸራሮ ዝክፈት ይከዉን

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914259231 /   0912995394  / 0914776389

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo