ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ተካረይቲ ሴፕትክ ታንክ/Septic tank/ን ኣብ 1ይ ወያነ ዝርከብ ቤሮ ፅገናን ስራሕቲ ዘፈር ኮንስትራክሽን ንምስራሕ ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ብደረጃ ዓሰርተBC-10 ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት / GC-10 ብደቀቕትን ንግዲ ትካላት ብርኪ ፍቓድ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ

ምልክታ ጨረታ

ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ተካረይቲ ሴፕትክ ታንክ/Septic tank/ን ኣብ 1 ወያነ ዝርከብ ቤሮ ፅገናን ስራሕቲ ዘፈር ኮንስትራክሽን ንምስራሕ ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ብደረጃ ዓሰርተBC-10 ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት / GC-10 ብደቀቕትን ንግዲ ትካላት ብርኪ ፍቓድ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ከማልኡ ይግበኦም

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ ዝተውሃቦም ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ፣ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽን /ተካናታሪ/ምዝገባ ካርድን ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርትፍኬት /TIN/ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላረን ከቕርብ ዝኽእል።

2. ተጫረቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕብራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ከጫረቱ ይከእሉ እዮም።

3. ናይ ጨረታ ውሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝወሃቦ ዝተረጋገፀ CPO ብር 18,000/ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ብር/ ከቅርቡ ኣለዎም ጥረ ገንዘብ ምትሓዝ ኣይከኣልን።

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 45 /ኣርብዓን ሓሙሽትን መዓልቲ/ ተከታተልቲ መዓልትታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም።

5. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/08/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይት ክልል ትግራይ ኣደባባይ ሮማናት ፊት ንፊተ ታደሰ ሓጎሰ ህንፃ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን፡ዕደጋን ሃፍቲ ምሕደራን ቢሮ ቁፅሪ 15 ኣድላይ መረዳእታኩም ብምሓዝ ዘይምለስ 400/ኣርባዕተ ሚእቲ'ብር ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ከወስዱ ይክእሉ እዮም።

6. ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዶክመንት ሓደ ዋናን ክልተ ፎቶኮፒን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሸ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምእሻማ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 21/08/2016 ዓ.ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይከእሉ እዮም።

7. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትከክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞም ሓቲሞም ቅደም ሰዓብ እቲ ዶክመንት እንተየዛብዑ እቲ ዶክመንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከይተጓደለ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጓደለ ብትከክል ዘይተማልእን ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ።

8. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 21/08/2016 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ግዜ ልክዕ ሰዓት 4:00 ከኽፈት እዩ።

9. እቲ ቤት ዕዮ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 15 ብኣካል ብምቅራብ ወይም ብቑፅሪ ስልኪ 0953023396 ብምድዋል ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo