ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ጣቢያ ሐየሎም ማሕበረሰብ ዕደጋ ኮሚቴ ናይ ስደኛታት ፅዕንቶ ምንካይ ልምዓት ፕሮጀክት ማለት እዉን DRD IP2 ብዝተረከበ ድጋፍ በጀት ንዝስራሕ ሐደ ብሎክ ናይ ሰማእታት ቀዳማይ ብርኪ ምስሕፋሕ ሓዱሽ ህንፃ ከስርሕ ስለዝደለየ ኩሉ ደረጃ ወይድማ ብርኪ ዘይፈሊ ናይ ኮስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ኮንትራክተራት ንጉልበት ንፎርም ወርክ ንማይ ምቅራብን ንምስታይን ከምእዉን ነቲ ህንፃ ዘድልዩ ኣቅሑት ማለት እዉን ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ ብናይ ህንፃ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ብከባቢያዊ ግልፂ ጨረታ ኣብ 2016 ዓም አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመተ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን መረዳእታ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቁፅሪ ማለተ እዉን ቲን ናምበር ዘለኩምን ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ምዝገባ ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 በቲ ዘፈር ናይ ዝተሐደሰ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት መቅረባይነት ካርዲ ዘለኩምን ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን

5 ኩሎም መረዳእታት ንፁር ብዝኮነ መልክዑ ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ብኮናተራይነተ ዘርፊ ናይ ኮንስትራክሽን መሰሪሒታትን መኪሰርን : ቫይቭሬተርን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ ማለት ናይ ባዕሉ እንተኮይኑ ናይ ዋንነት መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል ብኪራይን እንተኮይኑ ድማ በቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዉዕሊን መርትዖን ዘቀረበ ናይ ኪራይ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ ኮንስተራክሽን ኣቅሑት ንፎረም ወርክ ዘድሊ ምስማር ንፎረም ወርክ ድጋፍ ዝከዉን ባህርዛፍ ቀረብ ማይ ምስታይን ብሰዓራይነት ኮንትራክተር ዝፍፀም ይከዉን

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ በቢዘርፉ 30000 / ሳለሳ ሽሕ ቅርሺ/ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ብጣቢያ ሓየሎም ማሕበረሰብ ዕዳጋ ካሚቴ ከትሕዝ ዝክእል

9 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ 27/7/2016 ዓም ክሳብ 11/8/2016 ዓም መዕፀዊ ሰዓተ ክሳብ ዝኣክለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ እናመፃእኩም ዘይመለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ምዉሳድ ትክእሉ

10 እቲ ጨረታ 12/8/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተወዳደርቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ማለት እዉን ኣብ ኮንደሚነየም ይክፈት

11 ተጫራታይ ስዒርካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ 7 ተከታተሊ ናይ ቅሬታ መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ዉዕሊ ካበ ዝአሰሮ ዕለት ኣብ ዉሽጠ 85 መዓልቲታት ንስራሕቲ ህንፀት 15 መዓለቲታት ንናዉቲ ህንፃ 15 መዓልቲታት ንናዉቲ መሰራሕ ህነፃ እቲ ስራሕ ብግዚኡን ብፅሬቱን ሰሪሑ ርክክብ ዝገብርን ወይድማ ኣታዊ ዝገብርን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ቅድሚ ዉዕሊ  ምእሳሩ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ቼክ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተምስረተ ዉሕስና ባንኪ ብሽም ጣቢያ ሓየሎም ማሕበረሰብ ዕዳጋ ከሚቴ ኣስሪሑ ከትሕዝ ዝክእል

12 ንናዉቲ ህነፃ ሰዓራይ ተወዳዳር ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ከተማ ሸራሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣብ ዉሽጠ 15 መዓለቲ ብፅሬት ንብረት ብምርግጋፅ ኣታዊ ዝገብር አታዊ እንተዘይገይሮ ብመምርሒ ዕደጋ ቁፅሪ 5/2016 ዓም ዝቅፃዕ ምካኑ ክንሕብር ንፈቱ

13 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከዉን

14 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ዝወዳደሩ ኮይኖም መልእዎ ዋጋ ንፁርነት ክህክልዎ ይግባእ ስርዝ ድልዝ እነተጋጥም ብንፁር ተስተካኪሉ ሽምን ፊርማን ኣብ ጉኑ ክግበረሉ ይግባእ

15 ንተጫረቲ ዘፈር ህንፃ ኮንስትራክሽን ናይ ጨረታ ዋጋ ዘቅርቡ ሰለሰተ ዝተዓሸገ ፖስታተ ኮይኑ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ኣበ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሮም ብምዕሻግ ሽም ትካልም ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን ኣብ ልዕሊ ሕድሕድ ፖስታ ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእተዉ ዝክእሉ

16 ንዘፍር ህንፃ መሳርሒ ድማ አቀራርቡ ተመሳሳሊ ኮይኑ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ይከዉን

17ጣቢያ ሐዩሎም ማሕበረሰብ ኮሚቴ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914259231 /   0912995394

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo