ክ/ከተማ ሓድነት ንቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንቤት ማዘጋጃ ናይ ቢሮ ጠረጴዛ፣ ደረቅ ወንበር፣ ሸልፍ፣ ተሽከርካሪ ወንበር ብተወሳኪ ውን ናይ መኪና ክራይ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ናይ መኪና ክራይ ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ፤

ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልማዓትን ክልል ትግራይ ልምዓት መስኖ በጀት ኮድ AGP 9ተ ኣውቶብስ ድሕንነተን ዝተሓለወ ሕድሕደን 29 ሰብ ዝሕዛ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክርከብ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ናይ ዓ/ዓዲ 2ይ ብርኪ ቤ/ት/ቲ ብጃይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚያ ሳይት ክሊር ንምግባር ስለዝደለየ ካብ ኮሌጅ መምህራን ድሕሪት ዝርከብ ሓመድ ናብ ፕሪፓራቶሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ህንፀት ዝነበረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ናይ ባዕሉ ሲኖትራክ 16 ሜ3 ክትሕዝ ዝክእልን ናይ ባዕሉ ፀዓኒት ኮይኑ ከቅርብ ዝክእል ፤

ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣውቶቢስ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክካረ ይደሊ፤

ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ክልል ትግራይ ካብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ዞባታት እስካብ ጣብያታት ክልልና ፅንዓት ንምክያድ 5 ናይ ፊልድ መኪና ን12 መዓልቲ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሰሜን ንሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ክራይ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክካረ ይደሊ፤

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ንላብራቶሪ ሰራሕተኛታት ግልጋሎት ንምሃብ ሚኒባስ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክካረ ይደሊ፤

ኣክሱም ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ን 2011 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቐሑት፣ ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ፣ንምግዛእን ንስራሕተኛን መመላሰሲት ሰርቪስ ቅጥቃጥ ኦባማ ኣውቶብስ ንምክራይ ስለዝድለየ ንሕጋዊ ነጋዶ ክጫረቱ ይደሊ

ትካል ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ን2011ዓ/ም ንፕሮጀክት ስራሕቲ መንገዲ ከተማ መቐለ ኣግልግሎት ዝዉዕሉ ኣናእሽተይ መካይን፣ ሚኒባስን ኣውቶብሳትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረይ ይደሊ።