ትካል ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ን2011ዓ/ም ንፕሮጀክት ስራሕቲ መንገዲ ከተማ መቐለ ኣግልግሎት ዝዉዕሉ ኣናእሽተይ መካይን፣ ሚኒባስን ኣውቶብሳትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረይ ይደሊ።

Sur Construction PLC

በዚ መሰረት ሰብ ዋናን መካረይቲ ዝኾንኹም መቅረብቲ ትካላት ኣብዚ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ተጫረቲ 50,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ምስቲ ሰነድ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ አለዎም፤

2 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ክራይ ንሓደ መዓልቲ ኾይኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክከዉን ይግባእ።

3 ተጫረቲ በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ተጫረቲ ዋናን ቅዳሕን ፍቃድ መዘወሪ ማለት እዉን ሌብሬ ከቅረቡ አለዎም፤

5 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብቲ ቤት ዕዩ ቢሮ ቁፅሪ 4 ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይክእሉ፤

6 ዝሰዓረ መቅረባይ ዘቅርቦ ዓይነት ተሽከርካሪ ኣብ ሰነድ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ዓይነት ኢክፑመንት ናይ ምፅዓን ዓቅሚ ዘለዎ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ከምዝርከባን ናይቲ ትካል በዓል ሞያ ዝተረጋገፀ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ስራሕ ናብ ስራሕ ክዋፈር ዝክእል፤

7 ሰዓራ ዘቅረቦ ተሽከርካሪ ናይ 3ይ ወገን ሙሉእ ኢንሹራንስ ሸፋን ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግፅ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ሒዙ ክቀርብ ይግባእ።

8 እቲ ጨረታ ካብ 11/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 20/06/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ።

10 እቲ ጨረታ 21/06/2011ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 9:30 ይክፈት። ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ናይ ጨረታ ሰነድ ንምኽፋት ኣይዕገትን።

11 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo