ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ኣብ 2009 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላለዩ ዓይነት ከተማ ብግለፂ ጨረታ ክገዝእን ክጎዓዕዝን ስለዝደለየ

ቃላሚኖ ልምዓት ሕርሻ ማእኸል TDA ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቀሱ ሓድሽ ይስራሕ አብ ዘሎ መንገዲ ሳምረ ብጨረታ አወዳዲሩ ካብ ደብረ ፀሃይ ቅ ስላሴ ቤተክርስትያን ቐሹት ድንጉር ናብ ቃላሚኖ ልምዓት ሕርሻ ማእከል ሳዕሪ ብጨረታ አወዳዲሩ ክጎዓዕዝ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2009 ዓ/ም አብታ ከተማ ንዝርከቡ ሳዕርታትን ተክልታትን ማይ ንምስታይ ዘክእል 2 ቦጥ መካይን ክካረይ ይደሊ

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንመምህራን ድጋፍ ወሃብትን ሰራሕተኛታትን ዝተገልግል ቅጥቅጥ አይሱዙ ልዕሊ 40 ሰብ ትሕዝ 2ይ ደረጃ ሰርቪስ መኪና ነዳዲ አበልን መሃያን ናይ ባዕሉ ገይሩ ዝወዳደር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዘካሪ ተወዳደርቲ ይዕድም

ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ብከባቢያዊ ልምዓት ኣብ 2009 ዓም በጀት ዓመት ከስርሖም ካብ ዝሓዞም ፕሮጀክታት መንገዲ ጋራጋንቲ ምሩፅ ሓመድ ናይ መሰቦ ካብ ናይ መሰቦ ካሪ ሳይት ብናይ ባዕሎም መኪና ገልባጭ /ሲኖትራክ/ ብምፅዓን ኣብ ናይ ክፍለ ከተማና ዝተፈላለዩ ቦታታት መንገዲ ጋርጋንት ዘድለዩም መንገድታት ብምጉዕዓዝን ንምርገፍ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓም ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ሴክተር ኣብያተ ግልጋሎት ዝዉዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ዓለም ለኸ ምድሓን ህፃናት ትግራይ ኤርያ ኦፊስ ንትርፊ ዘይቆመ ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ንዝህቦም ሰብኣዊ ግልጋሎት መሳለጢ ዝዉዕል መካይን ብጨረታ አወዳዲሩ ክጥቀም ይደሊ

ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ዝተፈላለዩ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓዝተ ዉማሕበር ብቅዓት ዘለዎም ናይ ደረቅ ፅዕነት ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ፋብሪካ ንብረት ዝሓዘ ኮንቴነር በዓል 20 ጫማን በዓል 40 ጫማን ኮንቴነራት ካብ ደረቅ ወደብ መቀለ ናብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ንምብፃሕን ምስተራገፈ ባዶ ኮንቴነር ካብ ሲምንቶ ፋብሪካ መሰቦ ናብ ደረቀ ወደብ መቀለ ከመላልስ ይደሊ

ኢንተርፕራይስ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ኣብ 2009 ዓም በጀት ዓመት ንዘካይዶም ናይ መንገዲ ህንፀት ፅገና ስሚንቶ ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከፅዕን ይደሊ