ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ናይ ዝተፈላለየ ሴክተራት ቤት ፅሕፈታት ካብ መደበኛ በጀትን ገበርቲ ሰናይ በጀትን ኤሌክትሮኒክስን : ህንፃ መሳርሒን ኣቅሑትን ኣጫሪቱ ክዕድግ ከምእዉን ካብ ከተማ መቐለ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ናብ ከተማ ማይ ፀብሪ ስሚንቶ ከጎዓዝ ስለዝደለየ ነዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ

1 ንናይ ኤሌክትሮኒክስን : ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑትን ተወዳደርቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን

2 ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ተመዝጋቢ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2010 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ነንሕድሕድ መወዳደሪ ሰነድ 5000 ቅርሺ ብስፒኦ ሰርቲፋይድ ዝኮነ ቼክ ወይ ብጥር ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

5 ሰዓራይ እቲ ጨረታ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ከቅርብ ዝክእል

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

7 ምሉእ ዋና ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ተገይሩ ክቀርብ አለዎ

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሰብ 6/10/2010 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ እንተዘይ ሃሊዎም እዋን ናይቲ ጨረታ ሕጊ ዘማለአ እንተኮይኑ እቲ ጨረታ ዝክፈት ምካኑ ክፈልጡ አለዎም

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝተጫረተ ንብረት በዝሒ ወይ መጠን 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ንናይ መጎዓዝያ ተወዳደርቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን ዝሐደሰን ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ክኣትዉ ዘይግደድ ንተኮይኑ ድማ መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል

12 ንመጎዓዝያ ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 1 አብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

13 ንመከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብስፒኢ ወይ ሰርቲፋይድ ዝኮነ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዙ አለዎም

14 እቲ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ 6 ሰነ 2010 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካበም ናይቲ ጨረታ ሕጊ ዘማለአ እንትኮይኑ እቲ ጨረታ ምክፋቲ ኣይተዓናቀፍን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 ናይ ኩለ ሰነድ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 10 ማዕልቲታት ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346620283 / 0346620221 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo