ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ካልኣይ መንፈቅ ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት : ማይክሮ ፎን : ስሚንቶ ምጎዕዓዝ ብንብስወከፍ ዘፈር ስራሕ ዝተዋፈሩ ተጫረቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከጎዓዝን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2010 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግበሪ ዘለኩምን

2 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን

3 ኣብ ናይ መሳርሒ ፅሕፈት ማይክሮ ፎን ኣብ ተወሳኪ እስት ታክስ ተመዝጋቢ ኮይኖም ናይ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓም ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

4 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ ቢድቦንድ ነብስወከፍ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ

6 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 22 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 7 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 7 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት

7 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታታሊ 25 መዓልቲ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኮነ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተዉሃበ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ ዳባጎና ባዕሉ ኣጎዓዒዙ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

8 ዝተማለአ ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ፖስታ ተዓሺጉም ክቀርቡ አለዎም

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝቀርብ ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo