ጽርሐ ኣርያም ቅዱስ ገብሪኤል ካቴድራል ናይ ቤተክርስቲያኑ መእተዊ ዋና በሪ ብ3ተ ኣንፈት ማለት ብደቡብ ፣ ብምብራቕ እና ሰሜን ኣንፈት ብዘመናዊ መልክዕ ንምስራሕ ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ማተርያል ማለት ብረት፣ ሽቦ፣ ሓሸዋ፣ ፀፀር 02፣ እምኒ ሰረትን ፅርበትን ወዘተ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንክዕድግ ወሲኑ ኣሎ ስለዙይ ብዉሳኒኡ መጠረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት መስከረም 23/01/2012ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 28/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 12፡30 ናይ ንጉሆ እትወዳደርሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝዓሸገ ፖስታ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታዉ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ እናገለፅና ብዕለቱ 28/01/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1፡00 ናይ ንጉሆ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ጨረታ ይክፈት

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠናን ነጋ ገ/ዝጋብሔር ዕዳጋ ዓርቢ ንምምሃርን ምስትምሃርን ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ቆወምትን ሃለቅትን ንብረታት ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ መሰረት ድማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴከተራት ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኢ/ማተሪያልን ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ፣ ዉፅኢት ማዕድንን ፣ ብሎኬት ብ ሾፒንግ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ፡፡

ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ንስራሕቲ ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ኣበርገለ ኣግበ ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ባህርዛፋት ማለት እዉን ብበዝሒ 6600 ባህርዛፋት ብጨረታ አወዳዲሩክዕድግ ይደሊ።

ኤጄንሲ ልምዓት ኣባይቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንቤት ዕዮና ኣጎልግሎት ናይ መሳርሒ ፅሕፈትን፣ ኣቅሑት ኮንሰትራክሽን ን ዝዉዕል ክዕድግ ይደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንአገልግሎት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈላላዩ ቐወምትን ሃለቅትን መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናዉቲ ፅሬት ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ኤሌክተሮኒክስን፣ ኣቅሑት ኮንስትራክሽን ህንፃ፣ ናዉቲ ኣዉተሞቲቨን መለዋወጢ ኣቅሑን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ን 3ይ ዙር መናእሰይ ማተሪያል ዕድጊት ንምክያድ ካብ ዘለና ናይ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሪክ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ማይ ዝርገሐ ፣ ኮንስትራክሽን ኮስሞቲክስ፣ ጨርቃ ጨርቅ፣ ናይ ምግብና ኣቅሑት፣ስፖርት ዕጥቂ፣ ምርባሕ ደርሁ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ሞጎጎ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ መጋያየፂ መኪና ዲኮር ፣ መለዋወጢ ኣቅሑ ሞተር፣ ናይ ኢነትረ መኪና ጋራዥ ፣ ናይ ጀነሬተር ንናይ ፃፃይት ማሽን ፅገናን ሰርቪስን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ንዕድም።

ኮሌጅ ቴክኒከን ሞያን ሰለኽለኻ ን2012ዓ/ም ንምምሃር ምስትምሃር ንባዕሉ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናዉቲ ትምህርቲ ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ፣ ናዉቲ ፅሬትን ሕትመትን ፣ ሓመድን እምንን፣ ብሳዓት እትሰርሕ ሎደር ፣ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ ፤

ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት ን2012ዓ/ም በጀት ዓመት ዝኽፈል መሳርሒ ህንፃ ፣ ብሎኬት ፣ ቀላሚጦስ፣ ናይ መካይን መለዋወጢ ጎማ፣ ጨረቂ ሶፋን ካልኦት ንብረትን ብዕልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማእከል ህንፀት ዉቅሮ ንበጀት ዓመት 2012ዓ/ም መሳርሒ ህንፃ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ኤሌክትሪክ ፣ ቀላሚጦስ ፣ ቀለብ እንስሳ ፣መሳርሒ ፅሬት ፣ ሑፃን ፀፀርን፣ መደቀሲ ተሃነፅቲ ፍርናሽን ፣ ተሃናፅቲ ዝምገብ ዝኽእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ።