ማእከል ህንፀት ዉቅሮ ንበጀት ዓመት 2012ዓ/ም መሳርሒ ህንፃ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ኤሌክትሪክ ፣ ቀላሚጦስ ፣ ቀለብ እንስሳ ፣መሳርሒ ፅሬት ፣ ሑፃን ፀፀርን፣ መደቀሲ ተሃነፅቲ ፍርናሽን ፣ ተሃናፅቲ ዝምገብ ዝኽእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ውቕሮ

ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ እዞም ረቋሒ ክተማልኡ ንዕድም።

1 ንናይ ምግቢ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ፣ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ዋናን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎን ዋናን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካብ ፕላን ፋይናንስ ዝተረጋገፀ ዋናን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

4 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ናይ ወርሒ ሓምለ ዲክለሬሽን ዝገበረን ዋናን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

5 መክብሪ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ስፒኦ ኣቀዲሙ ከትሕዝ

6 ጨረታ ዝተዘርገሐሉ ዕለት 05/13/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ባዕሎም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ዉቅሮ ማእኸል ህንፀት ይኽፈት

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ዉቅሮ ማእከል ህንፀት ቢሮ ቁፅሪ 3 ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ብር 100.00 እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከም እትክእሉ ንገልፅ።

8 ናይ ጨረታ ረቋሒ ዘማልኡ ከምዘሎ ተሓቲሙ ንዝበለፀ ድማ ካብቲ ጨረታ ሰነድ ምርኣይ ይከኣል።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብምሉእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስቁ 0344-430843/0344-430333 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo