ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ንስራሕቲ ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ኣበርገለ ኣግበ ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ባህርዛፋት ማለት እዉን ብበዝሒ 6600 ባህርዛፋት ብጨረታ አወዳዲሩክዕድግ ይደሊ።

ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

በዚ መሰረት ካብ 15/01/2012ዓ/ም ክሳብ 06/02/ 2012ዓ/ም ክሳብ 6፡00 ናይ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ዝተሓደሰ ናይዚ ዘመን ንግዲ ፍቃድ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክህልዎም ግባእ 

2  ተመዝገብቲ ተወሳኪ አሴት ታክስ ቲኦቲ ክትኮኑ ይግባእ 

3 ተጫረቲ ክቢ ማህተመን ፌርማን ኣድራሻን ቁፅሪ ስልኪ ክህልዎ ይግባእ

4 አብ ተቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን 

5 ኣቅረብቲ  ባህር ዛፍ ቀጥ ዝበለ ቁመትን ካብ 5 ሜትሮ ልዓዕሊ ክክዉን ኣለዎ 

6 ነቲ መዐቀኒ እተማልኡ ተጫረቲ  ካብ ከተማ መቐለ 138 ኪ/ሜ ሪሒቃ እትርከብ ከተማ የጭላ ትርከብ ናይቲ ፕሮጀክት ካምፕ ንሓንቲ ባህርዛፍ ምስ መጓዓዓዝኡን ብዘይ መጓዓዝያን ፈላሊኩም ብምምላእ ነቲ ሰነድ ጨረታ ከተቕርቡ ይግባእ

7 ሰዓራይ እቲ ጨረታ ካብ ዝፈለጠሉ መዓልቲ ተደላይ በዝሒ ባህር ዛፍ ብእዋኑ ከቅርብ ዝክእል ክኮዉን ይግባእ 

8  ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 50,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ጥራሕ ብሽም ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ፕሮጀክት ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፤

9 እቲ ጨረታ 06/01/2012ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት9፡ 00 ድ/ቀ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ኣብ ዝርከብ ላጪ ፅ/ቤት ይክፈት።

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ 03 41 01 87 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo