ክፍለ ከተማ ሓድነት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ ረቃሒ ተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ቀይሕ ጣፍ 13 ኩንታል ½ / ዓሰርተ ሰለስተ ኩንታልን ፈረቓን/ ክትዕድግ ስለ ዝደለየት ፡-

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ማይ ቢል ሶፍትዌር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ማሕበር ደ/ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀ/ወያነ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ማሕበርና ዝኮነ ብሴቶች ቤት ብልዒ ዝፍለጥ ብደቡብ መንገዲ ብምዕራብ ኣስፋልት መንገዲ ዝዋሰን ጎኒ ሚላኖ ዝኮነ ዘሎዎ ክፈቲ ቦታ ስፍሓቱ 3249ሜ2 ዝኮነ ብግዝያዉነት ሰሪሖም ንባህላዊ ኣዳራሽ ቤት ብልዒ ፣ መናፈሻን ተዛመድትን ንግዲ ግልጋሎት ሰሪሖም ክጥቀሙ ንዝደልዩ ስራሕቲ ን 3 ዓመት ክተካሪ ስለ ዝደለየት ንተጫረቲ ትዕድም

መስፍን ኢንድስትሪያል ኢንጅነሪንግ ሓላ/ዝተ/ዉ/ኩባንያ ዝተፈላዩ ዓቐን ዘለዎም ኣቅሑት መሳርሒ ማሽናት ከምኡ እዉን ጥረ ኣቅሑት ናዉቲ መዐቀኒ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ብቅዓት ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ እተዘርዙ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳሩ ይዕድም

ትካል ፋብሪካ ሲሚንቶ መሶቦ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ዝተፈላለዩ ኣቅሑትን ኤሌክትሮድን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ዝስዕቡ ረቃሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም ዝርዝር ኣቅሑ ማይካ 220 *220 በዝሒ 6 ስክረዉ ኤም 5 ብ 25 ሚሜ በዝሒ 2 ሲልከን 12 ዌልዲንግ ሼልድ 10 አየር ኮንድሽነር ኮምፕረሰር ኦይልፎር ኣር 134 ኤ በዝሒ 25 ትሪትድ ሎክ 180 ስቶፕ ሊ 175 ሶንዶርሊንግ 1 ሚሜ በዝሒ 10 ሶልደሪንግ ቤስት በዝሒ 10 ሶልደሪልንግ ዋየር 1 ሚሜ በዝሒ 10 በነቲረቲንግ ኦይል 200 ኤሌትሪክ ኦኬ 2.5 ብ 350 በዝሒ 800፡ ኤሌክትሮድ ኦኬ 3.2 ብ 400 በዝሒ 753 ፣ ኤሌክትሮድ ኢ 6013 ፎርሚድ ስቲል 3.2 ብ350 ሚሜ በዝሒ 800 ፣ ኤሌክትሮድ ሆልደር 800 ኤኤም በዝሒ 16 ፣ ታየር ገጅ 12 ባር በዝሒ 4፣ ላፒንግ ኮምፓዉንድ በዝሒ 15

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ካብ መደበኛ በጀት ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑት፣ ሕትመት መሳርሒ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቅሑት /ፈርኒቸር/፣ ሞተር ሳይክል ፅገና መለዋወጢ ኣቅሑ /ስፔር/ እና መኪና መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ስፔር ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክፅግን ይደሊ፤

ጽርሐ ኣርያም ቅዱስ ገብሪኤል ካቴድራል ናይ ቤተክርስቲያኑ መእተዊ ዋና በሪ ብ3ተ ኣንፈት ማለት ብደቡብ ፣ ብምብራቕ እና ሰሜን ኣንፈት ብዘመናዊ መልክዕ ንምስራሕ ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ ሳኒተሪነ ኣቅሑት /ማተርያል/ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንክዕድግ ወሲኑ ኣሎ ስለዙይ ብዉሳኒኡ መጠረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት 13/02/2013ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 21/02/2013 ዓ/ም ሰዓት 12፡30 ናይ ንጉሆ እትወዳደርሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝዓሸገ ፖስታ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታዉ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ እናገለፅና ብዕለቱ 21/02/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1፡00 ናይ ንጉሆ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ጨረታ ይክፈት

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስለዋ ንወረዳና አጎልግሎት ዝዉዕሉ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ናይ መኪና ጋራዥ ኢድ ሞያን ፣ ኣቅሑት ስፖርት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ፈርኒቸር ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከገዝእን ከስርሕን ይደሊ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ካብ 12/02/2013ዓ/ም ክሳብ 27/02/2013ዓ/ም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስለዋ ከ/ስ/ዕ/ንብረት ብምዉሳድ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት መዘጋጃ ከተማ ድብድቦ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ መብራህቲ ናዉቲ ኣቅሓ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ስራሕቲ ፈርኒቸር /ጣዉላ/ ፅሬት መሳርሒ ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከቶኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም