ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብናይ መደበኛ በጀት ንቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ኣብ ጣብያ ማይ ነብሪ ወይድማ ከተማ ማይ ነብሪ ናይ ማይ ካዕቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፍት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ካብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ፣ ቀለብ እንስሳን ከምኡዉን ኣብታ ወረዳ ጣብያ ማይ ሸክኒ ዝስራሕ ናይ ማይ ተንከፍ ፕሮጀክት ቼክ ዳም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደለየ ነዞም ዝስዕቡ ረቁሕታት ተማልኡ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈተ ማይን ኢነርጅን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ንዝስራሕ ፅገና ሴት ናይ ሓበራዊ ዒላ ንምስራሕን ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ካብ ደረጃ 5ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ክትጫረቱ እንትዕድም ንማእከላይ ጎዳጉዲ ማይ ድማ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ደረጃ 3ን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ንወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፡ናይ ተምሃሮ ዴስክ ፡መሳርሒ ህንፃን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ 8 ሕዳር 2008 ዓም ክሳብ 23 ሕዳር 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንስራሕቲ መስኖ ድማ ካብ 8 ሕዳር 2008 ዓም ክሳብ 28 ሕዳር 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ እናዓደምና ንተምሃሮ ዴስክ ስራሕቲ ማይ መስኖን ብኤጀንሲ ደኣንት ተመዝጊቡ ዝተዉሃበ ብርኪ ስራሕ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2008 በጀት ዓመት ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ኣብ ጣብያ ደደቢት ናይ ማይ ገንዳ ንምስራሕ WC 7ን ልዕሉኡን ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ኣብ ጣብያ ደርጊዓጀን ዝርጋሐ ፁሩይ መስተ ማይ ካብ ናብ ቁሸት ሕልሻ ከባፅሕ ስለዝደሊ እዚ ዝስዕብ ረቀሒ ተማልኡ ሕጋዉያን ተኮናተርቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ኣብክፍለከተማ 1ይ ወያነቤትፅሕፈት ት/ፋይናንስንንቤትፅሕፈትከተማልምዓትከይዲስራሕፅሬት ንፅባቐንኣብ 2007 ዓ/ምአብክፍለከተማ 1ይ ወያነ 1ኣብከባቢመናሃርያኣፍደገ ሙሉእ ብሙሉእ ክንክን ተክላን 2 ገዛ ንገዛን ትካላት ጓሓፍ ምልዓል ድሬነጅ ፀረጋ ጎደና ፅሬት ክፍቲ ቦታታት ሽንጥሮታት ዕዳጋ ቦታታት ፅሬትን ትራንስፈርቴሽን ምሕደራን ብግልፂጨረታኣወዳዲሩክሰርሕ ስለዝደለየ ሕጋዉያንነጋዶክትወዳደሩንዕድም: