ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ብናይ መደበኛ በጀት ንቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ኣብ ጣብያ ማይ ነብሪ ወይድማ ከተማ ማይ ነብሪ ናይ ማይ ካዕቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ክትጫረቱ እትደልዩ ደረጃ 5ን ልዕሊኡን ደረጃ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ደረጃ 5ን ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ ማይ ካዕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  3. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ብቅዓት መረጋገፂ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይን ኢነርጅን ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዘቅርብ
  6. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  7. መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ  ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
  8. እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዉዕሊ ዝተአሰረሉ ሰሪሑ ዘረክብ
  9. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  10. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  11. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድ  ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት  100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  13. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  14. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም

ብተጫረቲ ክማልኡ ዝግብኦም ቅድመ ኩነት

  1. መብርሂ ዝሓተተሉ ኣድራሻ  ግዘን ብፁሑፍ ምሕታት
  2. ድሕሪ ጨረታ ምዕፃዉ ዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት ከምዘይብሉ
  3. ጨረታ ከጭበርብር ዝፍተኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኮኑን ንሓዋሩ ዉን ከምዘይሳተፉን ናብ ዝምልከቶ ከም ዝፃሓፍን
  4. እዋኑ ዝሓለወን ናይ ግብሪ ከፋላይ ምስክር ወረቀት ምቅራብ ከምዝግባእ
  5. ኣብ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክታም አድራሻ ናይቲ ትካል ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ
  6. ሰዓራይ ኣካል ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር
  7. ጨረታ ዝሰዓረ ኣካል ክሳብ ሙሉ ንሙሉእ ኣጠቃሊሉ ዘረክብ  ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዋጋኡ 10 ሚኢታዊ ፕሮፎርማንስ ቦንድ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ብዝኣስርዎ ዉዕሊ መሰረት ብእዋኑ ተዘይረኪቦም ካብ ዝኣሰርዎ ዉዕሊ መጠን ገንዝብ በቢመዓልቱ ካብ ዘይረከብዎ ተሓሲቡ ካብ 1000 ሓደ  ናተቀፁዑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን  ኣታዊ ይገብር
  9. ሳንዱቅ ጨረታ 4 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት  ሰዓት 4 ፡00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  10. እቲ  ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344370195 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo