ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ንወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፡ናይ ተምሃሮ ዴስክ ፡መሳርሒ ህንፃን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ 8 ሕዳር 2008 ዓም ክሳብ 23 ሕዳር 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንስራሕቲ መስኖ ድማ ካብ 8 ሕዳር 2008 ዓም ክሳብ 28 ሕዳር 2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ እናዓደምና ንተምሃሮ ዴስክ ስራሕቲ ማይ መስኖን ብኤጀንሲ ደኣንት ተመዝጊቡ ዝተዉሃበ ብርኪ ስራሕ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ
  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሐዳሰ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ከቀርብ ዝክእል
  2. መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ዝወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  4. ዝተሓደሰ መረዳእታ መቅረባየነት 2008 ዓም ከቅርብ ዝክእል
  5. ኣብ ናይ መስኖ ስራሕቲ ዝሳተፉ ደረጃ 8 ኣናእሸተይ ኮይኖም ብማይ ፍቃድ ዘለዎም ክኮኑ ኣለዎም
  6. ኣብ ናይ ተምሃሮ ዴስክ ዝሳተፉ ድማ ብዕንፀይትን ሓፂን መፂን  ብደረጃ ደቀቅቲ ጥራሕ ፍቃድ ዘለዎም
  7. መክበሪ ጨረታ ንስራሕቲ መስኖ 10,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይከዓ ብ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  8. ንቶም ካልኦት ድማ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይከዓ ብ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  9. ኣብ ዝተገበረ ጨረታ ናይ በዝሒ 20 ሚኢታዊ ምዉሳክ ወይድማ ምንካይ ከምዝከኣል ክንገልፅ ነፎቱ
  10. ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ንስራሕቲ መስኖ 28 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. ንመሳርሒ ህንፃ ድማ 23 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 30 ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  12. ናይ ተመሃሮ ዴስክ 23 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 8 ፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  13. ንናይ ኤለክትሮኒክስ ድም 23 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 9 ፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 9፡ 30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  14. ቤት ፅሕፈትናዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344210391  0344210276 ደዊልኩም ሕተቱ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo