ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2008 በጀት ዓመት ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ኣብ ጣብያ ደደቢት ናይ ማይ ገንዳ ንምስራሕ WC 7ን ልዕሉኡን ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

  1. ናይ 2007 ዓ ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልኩም ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታን ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን  ክልል ትገራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድንዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  2. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳበ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም
  3. ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈላለዩ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል  ወይንድማ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃቦ ዝተረጋገፀ ቼክ 20000  ከቅርቡ ኣለዎም
  4. ንተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህነፃ ፕሮጀክት ወይንም ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ጀሚሮመ ኣብ ዉሽጢ100 ተከታተልቲ መዓልትታት ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
  5. ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 24 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ጀሚሮ ኣብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብሓዱሽ ህንፃ ምምሕዳር ከተማ ዉቅሮ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ፀጋማይ ክፍሊ ቁፅሪ 3   ኣድላዩ  መረዳእታታት ብምሓዝ ዘይምለስ  300 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ እዮም
  6. ተጫረቲ ናይ ዝጫረትዎ ዋጋ ሰነድ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ምስናይ ጨረታ ዉሕስና  ዝሓዙ ሰነዳት ኣበ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸገጉ ኮሎም ፖስታታት  ኣብ ካልእ ዓብዮ ፖስታ መሊሶም  ብምዕሻግ  ናይ ዝጫረትዎ ፕሮጀክት  ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፓስታ ብማርከር ብምፅሓፍ  ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብሓዱሽ ህንፃ ምምሕዳር ከተማ ዉቅሮ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ፀጋማይ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ናብ  ዝተዳለወ  ሳንዱቅ ክሰብ 24 ሕዳር 2008ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም
  7. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝቀረቡ ሰነድ ቅጥዕታት  ብትክክል ክመልኡን ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፊሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽወጥ ዝነበረ ከይጎደለ ከቅርቡ ኣለዎም ዝጎደለ ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዐን ናይ ጨረታ ሰነድ  ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዮ
  8. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጨረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልተቶመ ኣብ ዝተረከብሉ 24 ሕዳር 2008 ዓ ም ልክስ ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓዱሽ ህንፃ  ምምሕዳር ከተማ ዉቅሮ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ፀጋማይ ክፍሊ ቁፅሪ  3   ይክፈት
  9. እቲ ከይኪዲ ስራሕ ዝሐሸመማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
  10. ንተወሳኪ  ኣብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብሓዱሽ ህንፃ ምምሕዳር ከተማ ዉቅሮ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ፀጋማይ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ብኣካል ብምርካብ ወይንድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344431142  ደዊልካ ምሕታት ይካአል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo