ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ኣብ ጣብያ ደርጊዓጀን ዝርጋሐ ፁሩይ መስተ ማይ ካብ ናብ ቁሸት ሕልሻ ከባፅሕ ስለዝደሊ እዚ ዝስዕብ ረቀሒ ተማልኡ ሕጋዉያን ተኮናተርቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ
  1. ብናይ ማይ ስራሕቲ ማለት water construction ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ደረጃ 6 ዝኮነ
  2. ናይ 2007ን 2008 ን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2007 ዓም ን 2008 ዓም ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ 2007 ዝተሓደሰ መረዳእታ መቅረባይነት  ዘለዎ
  5. መለለየ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል
  6. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ይከኣል
  7. መክበሪ ጨረታ ቢድቦንድ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ  ከትሕዝ ዝክእል
  8. ጨረታ 10 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ  ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ  ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም  ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  9. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ኣብ ሓደ ፖስታ ቅዳሕ ኣብ ካልእ ፖስታ ንንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ፖስት ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ

መተሓሳሰቢ

ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ

ብተወሳኪ እቲ ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344420268 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo