ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ናይ መኪና ፅገና ብብርኪ ክልል ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑትን ናይ መኪና ፅገና ጋራዥ ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡

ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ን 2012 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ብርክት ዝበለ ናይ ሎት 1 ግልጋሎት ጋራጅ ፅገና መካይን ሎት2ተ ናይ ቢሮ ኣቅሑትን ፈርኒቸርን ሎት 3ተ ኤሌክትሮኒክስ ኮምፒተር፣ ፕርንተር ላፕቶፕ፣ ዩፒኤስ ፣ ቢመር፣ ቢድዮ ካሜራ ፣ ካማራን ዋየርለስ ማይክሮፎን ፣ ሎት 4ተ ፅሕፈት መሳርሒ 5ተ ናይ መኪና ጎማ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ መቅረብቲ ብዘርፊ ዝተመዝገቡ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ናይ ዉዕሊ ብምእሳር ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይናነስን ቀፆሎም ዝተዘርዘሩ ኣቁሐት 1 ናይ መኪና ላቫጆ ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ፣ በዚ መሰረት ንታሕቲ ዝቐረቡ ረቓሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብታ ወረዳ ጣቢያ ኣዳመይቲ ቁሸት ሰላሞ ንዝኳዓት ዓሟቅ ጉድጎድ መስተ ማይ ንደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ከምእዉን ኣብ ወረድኡ ዝርከባ ማእከሎት ተሽከርከርቲ መካይን ፅገና ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት መቅረብትን ፣ ንስራሕቲ ሕትመት መቅረብቲ ፣ ናይ ደርቅ ፅዕነት ተሽከርከርቲ መቅረብቲ ፣ ዓምታዊ ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ እሱራት ቀለብ ባኒ መቅረብትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ኤጄንሲ ሓለዋ ስነ ከባቢ አጠ/ምም/ርን ገፀር መሬት ክ/ትግራይ ን 2012 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅ/መሳርሒ ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሞተር ሳይክላት፣ ሕትመት ስራሕቲ፣ ፈርኒቸር ኣቅሑት፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ናይ ጋራዥ ናይ ሓደ ዓመት ዉዕሊ ብ 6 ወርሒ ዝሕድሽ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንስልጠና ግልጋሎት ዝዉዕል ብዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ሞተር ሳይክል ፅገናን ሰርቪስን ናይ ኢድ ሰብ ሞያ ጋራጅ ፅገናን ሰርቪስን ንምክያድ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ንናይ ከተማ ኣብያት ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ ስፔር ፓርት መኪና፣ ስፔር ፓርት ሞተር ሳይክል ፣ ፅገና መካይን ጋራዥካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ስለዝደለየ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀነታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ናይ መንግስታዊ ኣብየተ ፅሕፈት መካይን ሰርቪስ ማለት እዉን ፅገና ንምግባር መለዋወጢ ኣቅሑት ንምቅያርን ናይ ኢድ ጉልበት ማለት እዉን ዋጋ ጥራሕ ሰብ ጋራጅ ብግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሳላሴ ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከፀግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ኣብ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝርከባ ጣብያታት ናይ ደረቕ ጋሓፍ ምልዓል ፣ ናይ መኪና ጋራዥ ፅገናን ናይ ሞተር ሳይክል ፅገናን ግልጋሎት ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤