ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብታ ወረዳ ጣቢያ ኣዳመይቲ ቁሸት ሰላሞ ንዝኳዓት ዓሟቅ ጉድጎድ መስተ ማይ ንደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ከምእዉን ኣብ ወረድኡ ዝርከባ ማእከሎት ተሽከርከርቲ መካይን ፅገና ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት መቅረብትን ፣ ንስራሕቲ ሕትመት መቅረብቲ ፣ ናይ ደርቅ ፅዕነት ተሽከርከርቲ መቅረብቲ ፣ ዓምታዊ ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ እሱራት ቀለብ ባኒ መቅረብትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ተጫረቲ ብናይ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ናይ ዓሟቅ ማይ ኳዓቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ማእከለዎት ተሽከርከርቲ ፅጋና ጋራጅ ፍቃድ ንግዲ ናይ መከና መለዋወጢ ኣቅሑት ፍቃድ ንግዲ ናይ ሕትምት ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ : ናይ ደርቅ ፅዕነት ፈቃድ ንግዲ ናይ ባኒ መስንከቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

3 ናይ 2010 ዓም ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2011 ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሱን ተጫረቲ ኣብ ዝርዝር መቅረባይነተ ዝተመዝገብኩምን ናይ መቅረባይነት መለለይ ወረቀት ምስክር ግብሪ ዘመን ዝከፈሉን

4 ናይ 2011ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰን ዘቅርቡ ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ማይ ኳዓትን : ናይ ሕትመት ኣገግሎት መቅረብቲ ተጫረቲ ጥራሕ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክሊር ዝገብርክምሉ ናይ ወርሒ ሐምለ ፀብፃብ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ንናይ ማይ ኳዕቲ ኮንትራክተር ጥራሕ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 15001 ከምእዉን ናይ ጋርጅ ፅገና ን አገልግሎት ባኒን መቅረብቲ ኣገልግሎት ናይ መኪና ስፔር ፓርት ናይ ሕትመት መቅረብቲ : ናይ ደርቅ ፅዕነት መጎዓዝያ መቅረብቲ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ 5000 ቅርሺ መከብሪ ጨረታ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ 12 መስከረም 2012 ዓም ክሳብ 3 ጥቅምቲ ኣብ አየር ይፀንሕ

7 ሰንድ ጨረታ ተጫረቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታ ኣዱያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ሕሕዳር ንብረትን ክወስዱ ትክእሉ

8 ናይ ማእኮሎት መኪና ፅገና ጋራጅ :ናይ እሱራት ባኒ ቀለብ መቅረብቲ : ናይ ማእከሎት መከይን መዋወጠ ኣቅሑት መኪና : ናይ ሕትመት ኣገልገሎት መቅረብቲ : ናይ ደርቅ ፅዕንት መጎዓዝቲ መቅረብቲ ጨረታ 3 ጥቅምቲ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ን ዓሟቅ ጎድጎድ ኳዓቲ ተጫረቲ ጥራሕ ቴክኒካል መለክዒ ጨረታ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በቢ በየኑ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ማሕተም ተገይርዎ ሽምን ኣድራሻን ናይ ተጫራታይ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ተፃሒፍሉ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ክኣትዉ ብምግባር ሽምን አድራሻን ተገይርሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ቴክኒክ መለክዒ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ እቲ ቴክኒካል ጨረታ ድማ 3 ጥቅመቲ 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3 ጥቅመቲ 2012 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተከብሉ ይክፈት

10 ናይ ዓሟቅ ጎድጎድ ኳዓቲ ፋይናንሻል ጨረታ ሰንድ 3 ጥቅምቲ 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ድሕሪ ሰለስተ ናይ ቴክኒካል ጨረታ ዉድድር ቅሬታ መዓልቲ 7 ጥቅምቲ 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

11 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ንነብሶም ምግጋል ኣይከኣልን

12 ተጫረቲ ሲዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ መጠን ገንዝብ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

13 ተጫራታይ ስዓራይ ምካኑ እንተፈሊጡ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ስርሑ ክጅምር ይክእል

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231 0345500005

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo