ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ኣብ ትሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዓይነት ንብረት ብቅሉዕ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእስለዝደሊ ነዚ ንምቅራብ ፍቃድ ዘለኩምን እቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምሉ ዕለት ኣትሓሒዙ ኣብ 20 መዓልቲ ዉሽጢ ክተረክቡ እትክእሉ ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርረ ረቆሒ መሰረት ብምግባር ኣብ ጨረታ ንክሳተፉ ይዕድም

ሱር ኪንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ማለት እዉን መለዋወጢ ኣቅሑት : ሓሸዋ : ዝተፈላለዩ ዓይነት ምስማር : ሽቦ : ጣዉላ ሞራለ : ኬሚካል :ቫይቪሬተርን ካልኦትን ካብ መቅረበቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ን2016 በጀት ዓምት ንዘካይዶም ግልጋሎት ህንፀት መንገዲን ፅገናን ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቅሑት : መሳርሒ ህንፃ : ኪራይ ማሽናት: ነዳዲ : ስቴሽነሪን : ኤሌክትሮኒክስን ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእን ክካረይን ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ነቲ ትካል ዘገልግሉ ንብረታት ማለት እዉን መሳርሒ ፅሕፈት : ደንቢ ከዳን : መሳርሒ ህንፃ : ኣቅሑት አሌክትሮኒክስ : ጀነሪተር : ቀወምቲ ንብረት ማለት እዉን ኣቅሑት ቢሮ ፈርኒቸር : ተሽከርከርቲ ሳይክላትን ደቀቅቲ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ድምፂ ወያነ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ቀፂሉ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ማለት እዉን ዝተፈላለየ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤለክትሮኒክስን : ኣቅሑት ህንፃን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ትከልና ሱር ኮንስትራክሽን ሃላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መለዋወጢ ኣቀሑት ማለት ድማ ቱቦ ቻርጀር በዝሒ ሐደ : ፈሊፕ በዝሒ ሐደ : ሮድ በዝሒ ክልተ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ናይ ገዛ ማዕዖ ጣውላ ኣቑሑት ክዕድግ ስለዝደለየ

ንነጋዶ ህንፃ መሳርሒ/ስሚንቶ

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ህ/መሳርሒ ፍራሽን ኮቦርታን ናይ መኪና ጎማን ባትርን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ላጪ ዝርከብ ናይ ማሕበር መቐለ ሀንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእኸል ህንፃ ፕሮጀክት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅፀኒን መራገፊን ሓዊሱ ማተርያል ምቕራብ ይኸዉን:-