ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ነቲ ትካል ዘገልግሉ ንብረታት ማለት እዉን መሳርሒ ፅሕፈት : ደንቢ ከዳን : መሳርሒ ህንፃ : ኣቅሑት አሌክትሮኒክስ : ጀነሪተር : ቀወምቲ ንብረት ማለት እዉን ኣቅሑት ቢሮ ፈርኒቸር : ተሽከርከርቲ ሳይክላትን ደቀቅቲ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽራሮ

1 ሕጋዊ ዝኮነ በቢዘፈሩ ዝገልፅ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ፈይናንስ መቅረባይነት ዘለከም ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ዘሐደስኩም

3 ሕጋዊ ዝኮነ ቅበሊት ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ኩሉ መዳእታኩም ብቅዳሕ ብምግባር ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ እተእትዉን ዋና መደእታኩም እተቅርቡን

6 ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማሚ ዝከዉን ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቸክ ስፒኦ 6000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክሉ

7 እቲ ንብረት ምስ ሰዓርኩም ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ኣብ ዉሸጠ ዝሐፀረ መዓልቲ ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ንብረት ክፍሊ መፂእኩም ብባዕልኩም ወይ ብሕጋዊ ወኪልኩም ክተረክቡ እትክእሉ

8 ሰዓራይ ምካንኩም ምስተፈለጥ ድሕሪ ናይ ቅሬታ ግዘ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ  ዉዕሊ ክትኣስሩ ይግባእ

9 ካብ ዝሰዐርኩሞ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቸክ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ክተትሕዙ እትክእሉ

10 ካብቲ ዝተቀመጠ መዓልቲ ማለት እዉን ገደብ ተሕሊፎም ወይ እዉን እንተሕሊፎም ኣብ ዉሸጠ ሐደ መዓልቲ 0.01 መኢታዊ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓርዎ ዝቅፅዑ ከይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብ ዝሰዓርዎ ወይድማ ዝሰዓርኦ ልዕሊ 10 ሚእታዊ እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

11 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከተማ ሸራሮ ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሐዳር ንብረትን ክትወስዱ እትክእሉ

12 ሰነድ ጨረታ ካብ 20 ጥቅምቲ 2016 ዓም ክሳብ 4 ሕዳር 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ክትወስዱ ትክእሉ 

13 ጨረታ 5 ሕዳር 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ረፋድ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት

14 ናይ ነብስወከፍ ንበረት ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ሰንጠረዝ ጥራሕ ዝምላእ እንትከዉን ኣብ ነፀላ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህሉ የብሉን

15 ተወሳኪ አብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዉ የብሉን ናይ ባዕልካ መብርሂ ምጥቃም ኣይፍቀድን

16 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ ምድንጋርን እንተፈፂሙ ካብቲ ዉድድር ጨረታ ይሰናበት

17 እቲ በት ፅሕፈት ዝሸሐ መማረፂ እንተሪቡ ነቲ ጨረታ በሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932037840  0914778526  0987153134

ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo