ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ላጪ ዝርከብ ናይ ማሕበር መቐለ ሀንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእኸል ህንፃ ፕሮጀክት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅፀኒን መራገፊን ሓዊሱ ማተርያል ምቕራብ ይኸዉን:-

ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕደጋ ማእኸል

ቑፅሪ ጨረታ 001/2016

1. ማሕበርና ንህንፀት ዕዳጋ ማእኸል ዝኾን ፅርየቶም ዝሓለዉ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት ቴንዲኖ ፣ ፀፀር፣ሓሸዋ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰርት ተጫረቲ ንምሳታፍ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት ከማልኡ ኣለዎም-

2 ናይ 2015 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ ናይ ኣቕራባይነት ሰርትፊኬት ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3. ምስዚ ተተሓዙ ቀሪቡ ካብ ዘሎ ዘድሊ መጠን ናይቲ ማተርያል በዝሒ/Quantity/ ብ20% ክቕንስ ወይ ክውስኸ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ውሽጢ ከእትዉ ይግባእ::

4. ዕርየት ዘይብሎም ማተርያል ንዘቕርብ ብበዓል ሞያ ተራእዩ /Test ተገይሩ/ እንተዘይሓሊፉ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ይምልስዎ::

5. መዐቀንታት ዘማልኡ ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ብመራኸቢ ሓፋሽ ካብ ዝወፅአለ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ /5/ ተኸታታሊ መዓልትታት ውሽጢ ማለት ካብ ዕለት 12/02/2016-16/02/2016 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ብምዉሳድ ክወዳደሩ ይኽእሉ::

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መሊኦም ምስ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ብምትሕሓዝ ኣብ ካኪ ፖስታ ዓሺጎም ማህተም ዓሪፍዎ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

7. እዚ ጨረታ ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 16/02/2016 ሰዓት 9:00 ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት 9:30 ይኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኺቦም ግና ብዘየለውሉ ጨረትኦም ይኸፈት::

8. ማሕበርና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ ሕጋዊ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

9 ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምቕራብ ወይ ስልኪ ብምድዋል ምሕታት ይከአል ናይ ቤት ፅሕፈት ስ/ቁፅሪ 0914261958/0342410460


ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእኸል

ለ. ዝርዝር ዓይነት ማተርያል እና በዝሒ ዘድሊ:

ተ.ቑዓይነት ማተርያልመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
1ቴንዲኖ በዓል-10ባንድል45
ቴንዲኖ በዓል-14ባንድል60
ቴንዲኖ በዓል-10ባንድል45
200C-02ሜትር ኩብ3000
3ሓሸዋ ናይ ሩባሜትር ኩብ2000

መብርሂ (Remark)

1. እቲ ዘቕርብዎ ሓሸዋ ማይ ዝሓለፎ ናይ ሩባ ገረብ ኮይኑ ፍርዝዝ ዝበለ ካብ ደለል ሓመድ ነፃ (silt content less than 6%) ንኮንክሪት ዝኸውን ክኾን ኣለዎ ከምኡ'ዉን መቕረብቲ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ነቲ ዘቕርብዎ ዓይነት ሓሸዋ ብዝኾነ መትሐዚ ሳምፕል (Sample) ከቕርቡ አለዎም::

2. እቲ ዘቕርብዎ ፀፀር ሳይዙ 02 ኮይኑ ካብ ፀሊም እምኒ ዝተመረተ ዕሬት ዘለዎ ንኮንክሪት ዝኸውን ክኾን ኣለዎ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo