ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይ ስፖርት ከተማ መቐለ ግልገሎት ዝውዕል ባስ መኪና ክራይ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክግልገል ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማና ሳዕርን ተኽልን ማይ ንምስታይ 10000.00 ሊትር ዘይንእስ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ቦቲ መኪና ዝኽእል ዘስቲ ሰራሕተኛ ከም ትቦ ጎማ መስተይን ካልኦት ቀረብን ነዚ ዘድሊ ብናይ ባዕሉ ከቅርብ ዝኽእል ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ናይ ዓ/ዓዲ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ብጀይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚያ ሳይት ክሊር ንምግባር ስለዝተዳለየ ካብ ኮሌጅ መምህራን ድሕሪ ዝርከብ ሓመድ ናብ ፕሪፓራቶሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ፅሕፈት ዝነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ናይ ባዕሉም ሲኖትራክ 16m3 ክትሕዝ እትኽእልን ናይ ባዕሉ እትፅዕን ሎደር ከቅርብ ዝኽእል።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ጣብያታት ዘሰን ገምሃሎን 14 ናይ ሓባር ዒላታት ንምስራሕ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ ማይ ብደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከምኡውን ናይ ቤት ፅሕፈት ማኑፋክቸሪንግ ማሽነሪታት ምዕዳግ ስለዝደለየ ናይ ማሽነሪታት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወሳኪ ኣብ ወረዳና ዝርከባ ጣብያታት ዝርከቡ ከተማታትን ዝተፈላለዩ ደረቅ ፅዕነትን ውዕሊ ኣሲሩ ንምጉዕዓዝ ስለዝደለየ ናይ ደረቅ ፅዕነት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚዘበን ንመበል 13 ግዜ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝበዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ንክልልና ወኪሎም ንዝሳተፉ ተሳተፍቲ መጓዓዝያ ትኸውን 60 ሰብ ትሕዝ ሓንቲ ኣውቶብስ ክካረ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወወዳደሩ ይዕድም።

ከምዝፍለጥ ትካልና ዲ.ቢ.ኤል ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ ኩሓ ጣብያ ማይፀዶ ብለት ኣብ ዝብሃል 78 ሄክታር መሬት ብምውሳድ ናይ ጨርቃ ጨርቂ ፋብሪካ ንምትካል ይደሊ። በዚ መሰረት ንሰራሕተኛታት ሰርቪስ መማላለሲ ዘግልግላ ኣውቶብሳት ብግልፂ ጨረታ ክንካረ ስለዝደለና ክትወዳደሩ እትደልዩ ትራንስፖርት ኩባኒያታት መካረይትን አቶም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ ኣማሊእኹም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዋንነቱ ናይ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሽራሮ ከይዲ ሰራሕ ፅሬትን ፅባቀን ዝኾነ ኣብ ከተማና ተኽልን ሳዕርን ማይ ንምስታይ ቦቲ መኪና ማይ ንምጉዕዓዝ ብኽራይ ዘቅርብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከቅርብ ይደሊ። ስለዚ ቀፂሎም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክተወዳደሩ ይዕድም። ስለዚ ቀፂም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቑሑት መሳርሒ ህንፃ፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ፣ኣቑሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፣ናይ መኪና ጎማን ባትርን፣ኣቅሑት ፅሬት፣ መጓዓዓዚ ደረቅ ፅዕነትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ኣገልግሎት ክረክብን ክዕድግን ስለዝደለየ በቲ ዘፈር ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ትራንስ ኢትዩጵያ ሓ.ዝ.ዉ.ማ ናብ መቀለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ 10 ሜትር ኩብ ዝትሽከም ማይ ቦቴ መኪና ኣጫሪቱ ንምክራይ ስለዝደሊ በቲ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም ፍቃድ ዘለኩም ተጫረትቲ ጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ንምእሳር ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሱ ረቋሒታት ተማልኡ ናይ ማይ ቦቴ መኪና መካረይቲ ትካላት ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ማይ ብቦጥ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።