ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቢሮና ኣገልግሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ክራይ መኪና ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ብግልፂ ዝርኣ ቅዳሕ ከቀርብ ዝኽእል፤ ናይ መለለይ ቁፅሪ ምዝገባ መረዳእታ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝኸፈለን : ናይ ታሕሳስ ወርሒ 2011ዓ/ም ናይ ቫት ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 09/05/2011ዓ/ም -24/05/2011ዓ/ም  ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ዝክእል ኮይኖም።

3 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም።

4 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ 24/05/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ይኽፈት።

5 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቀፍን።

6 ሰዓራይ ጨረታ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

7 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ንኣፈፃፅማ ውዕሊ ውሕሰና ከትሕዙ ኣለዎም።

8 ቤት ዕዮና ኣዳልዩ ብዝሃቦ ዝርዝር መዐቀኒ ብፅሬት መጠንን ብግዜን ኣብ ውሽጢ 10 ተኸታተልቲ መዓልቲ እቲ ኣገልግሎት መኪና ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ወፃኢ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ከረክብ ኣለዎ።

9 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታን ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

10 በዝሒ ጨረታ ክራይ መኪና 3ተ እየን።

11 ዝቀርብ መኪና ምስ መራሒኣ ሕጋዊ ፍቃድ መግንሒ መኪና ልዕሊ 2ተ ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎን መረዳእታ ብቅዳሕ ከትሕዝ ኣለዎ።

12 ናብቲ ውድድር ዝኣትዋ መኻይን ሊብረን ብቅዳሕ ኮይኑ ከተሓሕዝ ኣለዎ።

13 ዓይነት መኪና ዳብል ካፕ ኮይነን 4 በሪ ተኸፋትን ሽፌር ከይሓወሰ 5ተ ሰብ ምፅዓን ትኽእል ትኸውን ኣለዋ።

14 ኣብ 2010ዓ/ም ፈረንጂ ናብዚ ስራሕታ ዝኾነት፤

15 ንፕሮጀክት ስራሕ ትኸውን ትኽእል ፤ ኣቦራ ዘይተእቱ ፅሬትን ምቾትን ዝሓለወት

16 ሞተረን ብቀሊሉ ዝልዓልን ዘተኣማምን ናይ እግሪን ኢድን ፍሬን ከምኡድማ ናይ ዝናብ መፅረጊ ፍራቻ ዝተማልአ ክኸውን ኣለዋ።

17 ኣብ ክልልና ዝርከባ ወረዳታት ኣብ ኩለን ጣብያታት ምእታው እትኽእል፤

18 ብናይ ቢሮና ብበዓል ሞያ ተሽከርከርቲ ቴክኒክን ተገምጊመን ብቁዓት ምኻነን ዝተረጋገፃ፤

19 ናይ ኣገልግሎት ዘመን ካብ ውዕሊ ዝተኣሰረሉ ክሳብ 30 ሰነ ኣብ ውሽጢ ውዕሊ ኾይንኻ 25% ምውሳኽን ምቅናስን ከምዝከኣል ምፍላጥ የድሊ።

20 ነዳዲ መሃያ ገናሒ መኪና ኣበልን ብበዓል ዋና ይሽፈን።

21 ናይ መኪና ክራይ ዝሕሰብ ብናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ።

22 ክራይ ዝቀርብ መኪና ብናይ 3ተ ኢንሹራንስ ዘለዎ ከኸውን ኣለዎ።

23 ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰኒ-ሰንበት ኮይኑ በቲ ስራሕ ሓላፊ ዝወሃብ ናይ ስራሕ ትእዛዝ ይኸውን።

24 ናይ መንግስታውን ሃይማኖታዊን በዓላት ካብ ናይ ስራሕ ሓላፊ ትእዛዝ ወፃኢ ዝዋፈር ክፍሊት ዘይሕተተሉ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

25 ኣብ ስራሕ ዝኣተወት ናይ ስራሕ መኪና እንተተባላሽያ ኣብ ውሽጢ 5ተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ከቀርብ ኣለዎ።

26 ናይ ኣካፋፍላ ኩነታት በቢወርሒ ኮይኑ ናይቲ ወርሒ ዝተሰርሑ ስራሕቲ መረዳእታን ናይቲ ዘዋፈረ ሓላፊ ትእዛዝ ተተሓሒዙ እንትቀርብ ይኸውን ።

27 ናይ ኪራይ ዋጋ ዝምላእ ንሓደ መዓልቲ ንሓንቲ መኪና ብመጠን ቅርሺ ክግለፅ ኣለዎ።

28 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-411052/0342-406594 ደዊልካ  ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo