ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንናይ ወረድኡ ኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መካይን ፣መሸጢ ኣቅሑት ስራሕቲ ማይ ፣ መሸጢ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ ፣ መጎዓዝያ ደረቅ ፅዕነት : ናይ ማእኸላዎት ጎዳጉዲ ማይ ዃዕቲ፣ ብናይ ማይ ማዕድን ኢነርጂን ብስሩዕ በጀት ዝኸፈል ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ግልጋሎት ክረክብን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈለን ክምእዉን ናይ 2011 ዓ/ም በቢዘፈሮም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም

2 ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡን ዘሐደሱን፤

3 ብዘይካ ናይ ደረቅ ፅዕነት ኩሎም ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ እሴት ታክስ ዝኮነ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ከምእዉን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤ንናይ ማይ ስራሕቲ ተወዳደርቲ ፈቃድ ዘቅርቡን ሰነዳት ብኮትራክተራት ክልተ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺጉም ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ዓሺጎም ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ኣለኩም።

4 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4 ክትወሰዱ ትክእሉ፤

5 ንነብሲ ወከፍ መከበሪ ጨረታ ብቢድቦንድ ወይ እዉን ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ማለት እዉን ቼክ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ እትክእሉ፤

6 እዚ ጨረታ ካብ 18/04/2011ዓ/ም ክሳብ 09/05/2011ዓ/ም ኣብ አየር ይፀንሕ።

7 9/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት። ናይ ማይ ስራሕቲ በዚ ዕለት ሰዓትን ዕለትን ብቴክኒካል መለክዒ ይኽፈት።

8 ድሕሪ 3ተ ናይ ቴክኒካል ቅሬታ መዓልቲ ፋይናንሻል ውፅኢት 13/05/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ፋይናንሻል ውፅኢት ናይ ማእኸላዎት ጎዳጉዲ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብዎ ይኽፈት። ተወዳደርቲ ዘይምርካቦም ንምኽፋት ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

9 ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረበዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ምምሕያሽ ምግባር ንዓርሶም ምግላል ኣይፍቀድን።

10 ሰዓራይ ተጫረቲ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣሰሩ ኣለዎም።

11 ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ምስተፈለጠ ከብ ዝሰዓሮ መጠን ገንዘብ 10% መኸበሪ ውዕሊ ከትሕዝ ኣለዎም።

12 ሰዓራይ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከቅርብ ዝኽእል ንናይ ማእኸላዎትን ጎዳጉዲ ዝሰዓረ ውዕሊ ኣሲሩ ክሰርሕ ኣለዎ።

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500205 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo