ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ሓሸዋን እምንን፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ሞተር ሳይክል ስፔር፣ ኮምፒተር ተንከፍ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ናይ ዓ/ዓዲ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ብጀይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚያ ሳይት ክሊር ንምግባር ስለዝተዳለየ ካብ ኮሌጅ መምህራን ድሕሪ ዝርከብ ሓመድ ናብ ፕሪፓራቶሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ፅሕፈት ዝነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ናይ ባዕሉም ሲኖትራክ 16m3 ክትሕዝ እትኽእልን ናይ ባዕሉ እትፅዕን ሎደር ከቅርብ ዝኽእል።

ማሕበር ረደኤት ትግራይ ( ማ.ረ.ት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ሞተራት ኤሌክትሪካል ጀነሬተርን ሚክሰርን ቫይብሬተር (Water pump, Electrical generator, Mixer and vibrator) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል አብ 2011 በጀት ዓመት ዝተበጀተልና በጀት መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ንብረታት ከም ናይ ኤሌክትሮኒክስ ( ማሽነሪታት) ዝዉዕሉ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ጣብያታት ዘሰን ገምሃሎን 14 ናይ ሓባር ዒላታት ንምስራሕ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ ማይ ብደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከምኡውን ናይ ቤት ፅሕፈት ማኑፋክቸሪንግ ማሽነሪታት ምዕዳግ ስለዝደለየ ናይ ማሽነሪታት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወሳኪ ኣብ ወረዳና ዝርከባ ጣብያታት ዝርከቡ ከተማታትን ዝተፈላለዩ ደረቅ ፅዕነትን ውዕሊ ኣሲሩ ንምጉዕዓዝ ስለዝደለየ ናይ ደረቅ ፅዕነት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት አገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ: ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ : ናውቲ ኣይሲቲ፣ ስራሕቲ ሕትመት፣ መምሃሪ ቾክ፣ ሞተር ብስክሌት፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ሞተር ሳይክልን ብስክሌትን፣ ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 2ይ ዙር ዕደጋ ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት ጀነሬተር፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኮምፒተር ፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ደንቢ ኽዳን ፣ ሸቀጣ ሸቀጥ ጥረምረ ኣሕምልቲ ፍረምረ፣ ግልጋሎት ስፌት ዓለባ፣ ዕገና ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ምድላው ባልትና፣ ባኒን እንጀራን ብዝተፈላለየ ምድብ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ቀረብን ማይን ፈሳሲን ከተማ ራማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ቡንባ፣ ናውቲ ኣብያተ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ መቀያየሪ ኣቅሑት ብሽክሌታ፣ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ፅሬትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ቀረብን መስተ ማይን ፈሳሲን ከተማ ራማ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ቡንባ፣ ናውቲ ኣብያተ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ መቀያያሪ ኣቅሑት ብሽክሌታ ፣ ዝተፈላለዩ መሳረሕታት ፅሕፈትን ፅሬትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ጀነሬተር ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።