ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ፕስቸሪ ኣካውንቲንግ ስልጠና ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከሰልጥን ይደሊ።

ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት ዝ/ዩ ዓቅሚ መዕበይን ምምዕባልን ስረሕቲ ንምድብ 1- Advanced training web based application Development on ASP.NET Using C# and SQL server 2017 lot2- ኣድቫንስድ ኦፊስ ማሽን ሃርድዌር ኤሌክትሮኒክስ ኢክፑመንት ፅገና ስልጠናadvanced training office machines Hardware and electronics Equipment Maintenance lot3 training Zimra Networking Cisco and Huwaue switching and routing configuration ብብርኪ ክልል 1፣2፣3 ምድብ 4 ከማዕብል ይደሊ።

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንመፅናዕቲ ውፅኢታውነት ስልጠና ትንበያ መማህራን ሓይሊ ሰብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕን ይደሊ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ን15 ሰራሕተኛታት ብዲጂተል ማርኬቲንግ ስልጠና ንምሃብ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ሰሙናዊ ፕሮግራም ፈነወ ቴሌቪዢን ማልት ኣለዋ እዚ መደብ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ናይ ባዕሉ እጃም ዘለዎ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት ዶክመንተሪ ማለት እውን ሰነዳዊ ፊልም ስራሕቲ ማልት፣ ውድድር ተምሃሮ 2ይ ብርኪ፣ ተኸተታሊ ድራማ ክጋውሑ ሓግዮም እዮም ። ሰለዝኮነ ኣብዚ ዓመት እውን ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ነዚ ዓመት ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕቲ አጠናኺሩ ክቅፅለሉ ስለዝደለየ ማለት እውን ኣብ ምጥንኻር ፅሬት ትምህርቲን ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ዝሕግዙ ዓመታዊ ፕሮግራማት ንምድላው ዝስዕቡ ረቃሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትጫረቱ ይዕድም።