ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ዓቅሚ መዕበይን ምምዕባልን ስራሕቲ ማለት ምድብ 1 (Supply, Installation and configuration of network infrastructure for setit Humera town Administration Office) ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ክነስርሕን ይደሊ።

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ታሕሳስ-ሕዳር 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ብውዕሊ መሰረት ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ካብ ዕለት 06/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 22/05/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ  ብር 20000.00 ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / CPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

9 ተጫረቲ ንሎት 1 ናይ ማተሪያል ንብረት ዋጋ ንበይኑ ደረሰኝ ከቅርብ ዝኽእል፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ግልፂ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸውን።

11 እቲ ጨረታ ዕለት 22/05/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

12 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

13 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ዝግዛእ ኣንቲ ቫይረስ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ

14 ሰዓራይ እቲ ዝሰርሖ ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ይኹን ንብረት ብበዓል ሞያ ( ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo