ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ሰሙናዊ ፕሮግራም ፈነወ ቴሌቪዢን ማልት ኣለዋ እዚ መደብ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ናይ ባዕሉ እጃም ዘለዎ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት ዶክመንተሪ ማለት እውን ሰነዳዊ ፊልም ስራሕቲ ማልት፣ ውድድር ተምሃሮ 2ይ ብርኪ፣ ተኸተታሊ ድራማ ክጋውሑ ሓግዮም እዮም ። ሰለዝኮነ ኣብዚ ዓመት እውን ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ነዚ ዓመት ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕቲ አጠናኺሩ ክቅፅለሉ ስለዝደለየ ማለት እውን ኣብ ምጥንኻር ፅሬት ትምህርቲን ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ዝሕግዙ ዓመታዊ ፕሮግራማት ንምድላው ዝስዕቡ ረቃሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትጫረቱ ይዕድም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ንግዲ ከቅርብ ዝኽእል

2 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክሰ ዝኮነን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል

3 ነዚ ሰራሕ ከስርሖም ዝኽእል መረዳእታ ትምህርቲ፣ሓይለ ሰብ፣እዚ ዘበን ዝጠልቡ ዘመናዊ መሳርሒ ኤሌክትሪክ፣መስርሒ ቦታን ካልኦት እታዎታትን ብመረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 ዘዳለውዎ ትሕዝቶ መበገሲ ሓሳብ ካብ 8 ገፅ ዘይበልፅ ኣብ ቀዳማይ ውድድር ከቅርቡ ዝኽእሉ

5 ኣብ ቀዳማይ ውድድር ዝሓለፉ ተወዳዳርቲ ሙሉእ ፕሮፖዛልን ነቲ ስራሕ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ሰሪሖም ከረክቡ ዘኽእሉ

6 መኸበሪ ጨረታ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብቤት ፅሕፈት ማልት ዝተሰናደአ ብሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ

7 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 500.00 ቅርሺ ብምኸፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ክፍሊ ቁፅሪ 430 ምውሳድ ይከኣል

8 ተጫረቲ ኣብ ውሸጢ ሰነድ ጨረታ ብዝርዝር ዝተገለፀ ካብ ቁፀሪ1-3 ዝተጠቀሱ መረዳእታታት ማሕተም ገይሮም ሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕ ነንበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 03/13/2010 - 18/01/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ይኽእሉ

9 ሳንዱቅ ጨረታ 18/01/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-405355 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo