ኣብ ቢሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣጎልግሎት ንምሃብ ን 2013ዓ/ም በጀት ዓመት እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለየ ቀፅሪ ዝርከብ ትካል ብምሕላዉ ብግልፂ ዝርዝር ዘማልኡ ሕጋዉያን ትካላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ካልኦት 4ተ ቦታታት ናይ ሓለዋ ስራሕ ፣ ናይ ዓበይትን ኣናእሽተይን መካይን ኣጎልግሎት ጋራዝ ደረጃ 3ተን ልዕሊኡን ዘለዎ፣ ናይ ፅሬት ኣጎልግሎት 5ተ ደብሪ ህንፃን ከባቢኡን፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ብክንትራት ን1ዓመት ከስርሕ ይደሊ

ኢንስትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊስ ብ/ክ/መ/ ትግራይ ግልጋሎት ናይ ጥበቃ / ዋርድያ/ ግልጋሎት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ናይ 2012ዓ/ም ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ቤት ፅ/ት ፀጥታን ምም/ርን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ናይ ፀጥታ ስራሕቲ ግልጋሎት ክረክብ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ትካላት ንክትወዳደሩ ንዕድም

ማሕበር ኣክስዩን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ንዝርከባ ጨንፈራትና ናይ ሓለዋ ሓይሊ ሰብ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሐሊ ይደሊ

ኮምሽን ኢንቨስትመንት ሰደድን ክልል ትግራይ ፈርኒቸር፣ ፅሕፈት መሳርሕን ሓለዋን ፅሬትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ሲዒቦም ዝተዝርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ወርልድ ቪዥን ኢ/ያ ጨንፈር ክልል ትግራይ ካብዚ ቀፂሎም ዝተጠቀሱ ዝተፈላለዩ ኣቅሑትን ኣጎልግሎትን ማለት እዉን ፣ ስራሕቲ ሓለዋ ፣ ስራሕቲ ፅሬት ፣ ክራይ መኪና /ኮብራ ፣ ላንድ ክሮዘር / ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ናይ ተምሃሮ ዴስክ ፣ ስራሕቲ ሓፂነ መፂንን ፣ ዕንፀይትን ፣ ከምኡዉን ንስራሕቲ መጓዓዝያ ካብ ከተማ ኣ.ኣ ናብ መቐለ ኤፍኤስኣር ካብ መቐለ ድማ ናብዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ሳሓርቲ ሳምረ ኣላማጣ ዉቅሮ ኣይሱዙ ፣ ሰለክለካ እንዳ ባጉናን እንደርታን ኣይሱዙ ዝተዓሸገ ማይ በዓል 2ተ ሊትሮ ፣ ዝተፈላለዩ ኣቅሑታት ንመጓዓዓዚ ኣይሱዙ ንትግራይ ኤፍኤስኣር ን ኣዲስ ኣበባ ዘለዎም ተጫረቲ ብግልፂጨረታ ኣወዳዲሩ ንነዊሕ ግዜ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

መቐለ ቐዳማይ ወያነ ገዛ ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ዘመናዊ ማእከል ዕዳጋ ግልጋሎት ሓለዋ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ንዝርከባ ቤት ዕዮታት ናይ ሓለዋ ስራሕቲ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ን ሓለዋ ግልጋሎት ካብ ኣጎልግሎት ትካላት ብምዉድዳር ን 1 ዓመት ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ ። ስለዝኾነ እዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልኡ ታጫረትቲ ንክጫረቱ ይዕድም።