ን4ይ ግዜ ዝወፀ ኣብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ን2016 በጀት ዓመት ዘድልዩ ናይ ሐለዋ ማለት እዉን ዋርዲያ ስራሕቲ ብጨረታ ንምሕላዉ ወይድማ ንምስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ቢሮ መክዝናትን ዋና ቢሮን ብዉልቀን ብማሕበር ንዝተወደቡ አወዳዲሩ ንምሕላዉ ወይድማ ከስርሕ ይደሊ

Tigray Regional State Interim Administration Bureau of water And Energy

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ መቅረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

2 መረዳአታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክተቅርቡ እትክእሉ ናይ ወርሒ ታሐሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ ከተቅርብ ዝክእል

3 ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ካብ መደባኛ ጉጅለ ዕደጋ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ 25 የካቲት 2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 6 መጋቢት 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል  ምዉሳድ ትክእሉ

4 መከበሪ ጨረታ ብስፒኦ 10000 ቅርሺ / ዓሰርተ ሽሕ/ ከትሕዝ ዝክእል

5 እቲ ጨረታ 6 መጋቢት 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ታዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዋናን ሐደ ቅዳሕ ነኒበይኑ ዝተዓሸገ ከቅርብ ዝክእል

7 እቲ ቢሮ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪብዎ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ከትሕዝ ዝክእል

9 አድራሻ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጂን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ እዩ

10 ናይ ጨረታ መክፍተን መዕፀዉን ዕለት በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

11 ኣብ ዝቀረበ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ወይ ዘይንበብን ማሕተም ዘይዓረፎ መረዳአታን ተቀባልነት የብሉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914138905 0914032454

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo