ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንኣብያተ ትምህርትን ንቢሮን ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ፈርኒቸር ኢምፖርትድ ፡ ናይ ኢንፎርሚሽን ኮምኒኬሽን ቴክኖሎጂ ኣቅሑት፡ ናይ ቢሮ ዋርዲ ሐለዋ ግልጋሎት ፡ መሳርሒ ፅሕፈት ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  • ሐደ  ኣቅሑት ፈርኒቸር ኢምፖርትድ
  • ክልተ ናይ ኢንፎርሚሽን ኮምኒኬሽን ቴክኖሎጂ ኣቅሑት ማለት አዉን ታብሌት፡  ደታ ሰርቭር ን ዳታ ሰንተርን ፡ ዌብሳይት ዲቨሎቨመንት ፡ ሳተላይት ቲቪ ምስ ሙሉእ ኣቅሑትን ተከላን
  • ሰለስተ ናይ ቢሮ ዋርዲ ሐለዋ ግልጋሎት
  • ኣርባዕተ መሳርሒ ፅሕፈት

ካብ ሐደ እስካብ ኣርባዕተ ዝተዘረዘሩ ዓይነት ጨረታታት ብዝተቀመጠ ረቆሓ መሰረት ብግልፂ ጨረታ አወደዲሩ ክዕድግን ክስርሕን ይደሊ

1 ንነብሰወከፍ ዓይነት ጨረታ ዝምልከት ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ

2 ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ማለት አዉን ምስክር ወረቀት ዘለዎም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም

4 ቫት ተመዝጋቢ ምከኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓም ቫተ ድክለሬሽን ዘቅርብ

6 ኣብ ናየ ፈርኒቸር ዝወዳደር ኣካላት መብራህቲ እንትጠፍእ ብዘይምቁራፅ ብናይ ባዕሉ ጀነሬተር ተጠቂሙ ዝሰርሕ መሳርሒ ፅሕፈት ብመርአያ መሰረት ዝዕድግ ይከዉን

7 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከወን ከብ 1 እስካ 4 ዝተዘርዘሩ ነጥቢታት መሸጢ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ንኣቅሑት ፈርኒቸርን ፡ ንናይ ኢንፎርሜሽን ኮምኒከሽን ቴክኖሎጂ ኣቅሑትን ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል ፡ ናይ ቢሮ ዋርዲ ሐለዋ ግልጋሎትን ፡ መሳርሒ ፅሕፈትን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

8 ጨረታ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ጨረታ ምልክታ ብሬዲዩን ቴሌቭዥንን ምስተጋወሐ

9 ምልክታ ጨረታ ዝጋወሐሉ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/6/2016 ዓም ጀሚሩ ከሳብ 29/6/2016 ዓም ብሬዲዩን ቴሌቭዥንን ከሉ ግዘ ደድሕሪ ዜና ዝጋወሓ ይከዉን

10 ናይቲ ቴክኒካል ዘይሐዉስ ዘይሐትት ፋይናንሻል መረዳአታ ጥራሕ ምልክታ ጨረታ ብምምላእ ካብ ዝወፀሉ 27/6/2016 ዓም ጀሚሩ ከሳብ 6/7/2016 ከሉ ግዘ ኣብ ሰራሕ ሰዓትመዓልትን ጨረታ ሰነድ ዝሽወጥ ይከዉን

11 ተጫረቲ መሊኦም ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ተቀባልነይ የብሉን

12 ተጫረቲ ናይ ኢንፎርሜሽን ኮሚኒከሽን ቴክኖሎጂን አቅሑት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን መረዳእታ ብዝተቀመጠ እስፐስፊኬሽን መሰረት ናይ ባዕል ዋና ማህተም ዘለዎም ብናይ ቢሮ መምሊኢ ቅጠዒ ጨረታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ዓሺጐም ክሳብ ዕለት6/7/2016 ዓም ሰዓት 8፡ 45 ሳነዱቅ ጨረታ ይዕሸግ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ጨረታ ዝክፈት ይከዉን

13 መክበሪ ጨረታ ዝምልከት ኢንፎርሜሽን ኮሚኒከሽን ቴክኖሎጂን አቅሑት:  ንኣቅሑት ፈርኒቸር ንሕድሕድ 150000 / ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ ቅርሺ /  : ንዋርዲ ሐለዋን ንኣቅሑት ፅሕፈት 10000 / ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ  / ብስፒኦ  ወይ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ጋራንት ከትሕዝ ይግባእ

14 ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጠ 5 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር

15 ተጫራታይ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ :  ብዝተረጋገፀ ባንኪ ጋራንት ዉሕስና ጨረታ ብምትሓዝ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ

16 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዋርዲይ ሐለዋ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ናይ መሰርሒ ኣቅሑት ኣብ 20 ተከታታሊ መዓልቲ ንዝተረፉ ናይ ኢንፎርሜሽን ኮሚኒከሽን ቴክኖሎጂን አቅሑትን ንኣቅሑት ፈርኒቸርን ነብሰወከፍ ዓይነት ንብረት አብ ዉሽጢ 45 ተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ፅሬቱ ብባዕል ሞያ አረጋጊፁ ናብ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ይግባእ

17 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድጨረታን ካልእ መብራርሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራሕ ምሕታት ይከኣል

18 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344403477 / 0344408299

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo