ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ብከባቢያዊ ልምዓት ኣብ 2009 ዓም በጀት ዓመት ከስርሖም ካብ ዝሓዞም ፕሮጀክታት መንገዲ ጋራጋንቲ ምሩፅ ሓመድ ናይ መሰቦ ካብ ናይ መሰቦ ካሪ ሳይት ብናይ ባዕሎም መኪና ገልባጭ /ሲኖትራክ/ ብምፅዓን ኣብ ናይ ክፍለ ከተማና ዝተፈላለዩ ቦታታት መንገዲ ጋርጋንት ዘድለዩም መንገድታት ብምጉዕዓዝን ንምርገፍ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓም ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ሴክተር ኣብያተ ግልጋሎት ዝዉዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ዓለም ለኸ ምድሓን ህፃናት ትግራይ ኤርያ ኦፊስ ንትርፊ ዘይቆመ ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ንዝህቦም ሰብኣዊ ግልጋሎት መሳለጢ ዝዉዕል መካይን ብጨረታ አወዳዲሩ ክጥቀም ይደሊ

ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ዝተፈላለዩ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓዝተ ዉማሕበር ብቅዓት ዘለዎም ናይ ደረቅ ፅዕነት ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ፋብሪካ ንብረት ዝሓዘ ኮንቴነር በዓል 20 ጫማን በዓል 40 ጫማን ኮንቴነራት ካብ ደረቅ ወደብ መቀለ ናብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ንምብፃሕን ምስተራገፈ ባዶ ኮንቴነር ካብ ሲምንቶ ፋብሪካ መሰቦ ናብ ደረቀ ወደብ መቀለ ከመላልስ ይደሊ

ኢንተርፕራይስ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ኣብ 2009 ዓም በጀት ዓመት ንዘካይዶም ናይ መንገዲ ህንፀት ፅገና ስሚንቶ ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከፅዕን ይደሊ

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሚኒባስ መኪና ን 2009 ዓም በጀት ዓመት ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክካረ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ በዓል 5000 ሊትር ዝሕዝ መዋህለሊ ማይን ናብ አብያተ ትምህርቲ ምጉዕዓዝን: ዝተፈላለዩ ፅገና ኤለክትሮኒክስ ንሓደ ዓመት ብኮንትራት ምክያድ :ዝተፈላለዩ ሕትመታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከፀግንን ከሕትምን ይደሊ

ብሩህ ተስፋ መስኖን ማይን ቴክኖሎጂ ሓ/ዝ/ዉ/ማሕበር ካብ መቐለ ናብ ኢትየጰያ ሱማሌ ክልል 161 FSR (ኻልእ ናይ ፅዕነት መኪና) ናብ ፈቂ :(ኦቦሌ ሳይት) ንደጋሃቡር ፕሮጀክታት ናይ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ፕላስቲክ ትቦታት ንምጉዓዝ ብጨረታ አወዳዲሩ

ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ ሽረ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ማለት መሳርሒ ፅሕፈት :መሳርሒ ኤለክትሮኒክስን :መሳርሒ ህንፃ :መለዋወጢ አቁሑት መካይን ብሽክለታን: አቅሑት ፅሬት :ቃላሚጦስ :ብሎኬት :ክራይ ሰርቪስ መኪናን: ሑፃን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ