ቤት ማዘጋጃ እንትጮ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ናይ 2ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኤሌክትሮኒክስ ፣ናይ መብራህቲ ናውቲ /ኣቅሓ/ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ምልክታ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/ከ/ን/ኢንደስትሪን ቤት ማዘጋጃ ከተማ እንትጮ ዝርከብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ እንትጮ ቀበሌ 01 ፍሉይ ቦታ ሰውሒ መሬቶ እናተብሃለ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ 420 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድሬኔጅ ወይ ፈኛትራ ብብርኪ 8ተ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ማዘጋጃ እንትጮ ናይ መብራህቲ ናውቲ /ኣቅሓ/ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ምልክታ ጨረታ ሊዝ ቀዳማይ ሳልሳይ ዙር ጨረታ : ሊዝ ካልኣይ ዓይነት ጨረታ ስሩዕ : ሳልሳይ ኣብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቤት ፅሕፈት ምሕዳራን ኣጠቃቅማን መሬትን ካዳስተርን ከተማ እንትጮ ከምቲ ዝተለመደ ቦታ ሊዝ ብዛዕባ ምሓዝ ብዝድንግግ ኣዋጅ 461/ 2004 ዓንቀፅ 8 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ካብ ሀ እስካ ሰ ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ወይድማ መንበሪ: ትካል :እንዳመጥሓን : መክዘን ዝተዳለወ ጠቅላላ 15 ቦታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ከተሓላልፍ ይደሊ