ምልክታ ጨረታ ሊዝ ቀዳማይ ሳልሳይ ዙር ጨረታ : ሊዝ ካልኣይ ዓይነት ጨረታ ስሩዕ : ሳልሳይ ኣብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቤት ፅሕፈት ምሕዳራን ኣጠቃቅማን መሬትን ካዳስተርን ከተማ እንትጮ ከምቲ ዝተለመደ ቦታ ሊዝ ብዛዕባ ምሓዝ ብዝድንግግ ኣዋጅ 461/ 2004 ዓንቀፅ 8 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ካብ ሀ እስካ ሰ ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ወይድማ መንበሪ: ትካል :እንዳመጥሓን : መክዘን ዝተዳለወ ጠቅላላ 15 ቦታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ከተሓላልፍ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ

1 ክጫረቲ ዝደሊ ዝኮነ ሰብ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 5/7/2016 ዓም ክሳብ 18/7/2016 ዓም ናይቲ ቦታ ዝርዝር መረዳእታን ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ግበሪ ኣካቢ ብስራሕ ሰዓት ምግዛእ ዝክእል ምካኑ ነፍልጥ

2 መሸጠ ጨረታ ሰነድ ልክዕ ሰዓት 5:00 ዕለት 18/7/2016 ዓም ጠጠዉ ይብል

3 ሰነድ ጨረታ ምእተዉ እዋን ካብ ዕለት 5/7/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 18/7/2016 ዓም 11:00 ሰዓት ጥራሕ ይከዉን

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ወይድማ ዝዕሸገሉ ዕለት 18/7/2016 ዓም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ይከዉን

5 ነዚ ቦታ ክርኢ ንዝደሊ ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት መጠቀዒ ምልክታ ሰሌዳ መርሃ ግብሪ ተግባራዊ ይከዉን

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 19/7/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምሕዳራን አጠቃቅማን መሬትን ካዳስተርን ከተማ እንትጮ ይከዉን

6 ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዝተረከብሉ ይክፈት

7 እንዳመጥሓን ወይድማ መክዘን ዝምልክት ምምቃል ኣይፍቀድን

8 ተጫረቲ ዝሐዝዋ ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ናይ ዝተጫረትሉ ቦታ ስፍሓት ምስ መበገሲ ዋጋ ብምሓዝ ናብ ዝርከብ ዉፅዒአት ካብ 5 ሚእታዊ ዘይንእስ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ኣትሒዝኩም ክትቀርቡ ይግባእ

9 ኣብ ስፖኦ ናይ ዝተትሓዝ መጠን ገንዘብ ናይ 5 መእታዊ ወሰክ ኣፈላላይ ዝእተዉ ምምላስ ግዴታ የብላናን

10 ሕድሕድ ተወዳደሪ ዋና ስፒኦን ናይ ተጫረቲ ዝተሐደሰ መለለይ መንነት ቅዳሕ ሰነድ ዝገዝአሉ ዋና ቅብሊት ምስ ዝዓደግዎ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ናብ ፖስታ ብምእታዉ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ የእትዉ

11 ኩሉ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወካሊ ናይ ወካሊ ዝተሐደሰ መለለይ መንነት ወይድማ ፓስፖርት ዝተወለደሉ ዕለት ወርሕን ዓመተ ምህረትን ዝገልፅ ቅዳሕ ምስ ሰነድ ጨረታ ከታሓሕዝ አለዎ

12 ዝኮነ ተጫራታይ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ሰነድ ጨረታ ዝክፈት ምካኑ እዩ

13 ቤት ፅሕፈት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 መተሓሳሳቢ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ዝጠፍኦ ይኩን ክመልእ ዝተበላሸዎ ካልኣይ ዘይንህብ ወይድማ ዘይንቅይር ምኮና ንሕብር

15 ሰነድ ቅጥዒ ሙሉእ ብሙሉ ብትክክል ዘማለአ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo