ምልክታ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/ከ/ን/ኢንደስትሪን ቤት ማዘጋጃ ከተማ እንትጮ ዝርከብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ እንትጮ ቀበሌ 01 ፍሉይ ቦታ ሰውሒ መሬቶ እናተብሃለ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ 420 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድሬኔጅ ወይ ፈኛትራ ብብርኪ 8ተ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ

1 ብብርኪ 8ተ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት እውቅና ተዋሂብዎም ተመዝገብቲ ዝኮኑን ኣብ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰን ግልፂ ዝኮነን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን፤

2 ተጫረትቲ ናይ እቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕ ውዕሊ ካብ ዝፍፀመሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 85 ተከታተልቲ መዓልትታት ብውዕሊ፣ ብፕላን፣ ስራሕ ዝርዝርን ዲዛይንን መሰረት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ዝክእሉ፤

3 ኩሎም ተጫረትቲ ካብ ዕለት 25/06/2011ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ እንትጮ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ቁፅሪ 12 ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ 150 ብር ብምክፋል ጨረታ ክሳብ ዕለት 13/07/2011ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ.ሰዓት ሰነድ ከወስዱ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ማሕተሞምን ኣዕሪፎም ቅደም ሰዓብ እቲ ዶክመንት እንተየዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከቅርቡ ኣለዎም፤ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተማልአ ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐ፣ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ንምንባቡ ዘፀገምን ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር እዩ፤

5 መከበሪ ጨረታ 10000.00 ሽሕ ብር ካብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ወይ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት በሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ድሕሪ ጨረታ ምሽናፍ ወይ ሰዓሪ ጨረታ ዝኮነ 5 ሚኢታዊ ናይ ጠቅላላ ውዕሊ ግምት ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

7 ተጫረትቲ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርዲ፣ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ መቅረባይነት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ቫት ዲክላሬሽን ሪፖርት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዘቅርብ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ ውሕስና ጨረታ ሓደ ኦርጂናል ክልተ ኮፒን ብምምላእ ኦረጂናልን ኮፒን ኢሎም ብምፅሐፍን ብምፍራምን ነኒበይኑ ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ጠቅሊሎም ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ ፖስታ በማርከር ብምፅሓፍን ምስኡውን ጨረታ መከበሪ ዝተብሀሃለ ሲፒኦ ንጨታ ተባሂሉ ኣብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 14/07/2011ዓ/መ ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ/ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም፡፡

8 እቲ ጨረታ 14/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ይክፈት፤

9 እቲ ፕሮጀክት ዝስርሐሉ ቦታ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ቦታ ብኣካል ኬድካ ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡

10 ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስልኪ ቁፀሪ 0344-490006 ምድዋል ይከኣል፡፡

11 ኣብ ምልክታ ጨረታ ዘይተካተቱ ሓበሬታታት ወይ ኣፈላላይ ዝፈጠሩ ካብ ጨረታ ሰነድ ይውሰድ፡፡

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo