ትካልና ዩናይትድ ስቲልን ሜታልን ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ዉ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ፋብሪካ ግቢ ናይ ተፋሰስ ስራሕ ዘድሊ ማተሪያል ብትካልና ከቅርብ ኮይኑ ዝርዝር ስራሕ ከምዝስዕብ ይከውን፡፡

ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝረከብ ዳይሬክቶራት ህንፃ ዲዛይንንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ዓድዋን ዓብይ ዓዲን ፕሮጀክት ህንፃ ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ንምስራሕ ብ BC6 GC7 ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ስራሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት መንገድን ኮንስትራክሽንን መጋዓዝያን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከብ ከ/ስ/ህንፃን ዲዛይንን ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ውቅሮ ኣብ ጣብያ ደደቢት በዓል 2ተ ደብሪ ቤት ፅሕፈት ከስርሕ ስለዝደለየ ንኩሎም ደረጃ 8ተ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ DC BC ፍቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንስትራክሽን ሕብረት ሽርክናን ውልቀን ክትጫረቱ ይዕድም፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ዜብራ ቀለም ትራንስፖርት ግልጋሎት ምሃብ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡

ምልክታ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/ከ/ን/ኢንደስትሪን ቤት ማዘጋጃ ከተማ እንትጮ ዝርከብ ከ/ስራሕ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ከተማ እንትጮ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ እንትጮ ቀበሌ 01 ፍሉይ ቦታ ሰውሒ መሬቶ እናተብሃለ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ 420 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድሬኔጅ ወይ ፈኛትራ ብብርኪ 8ተ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ማሕበር ዛንታና ዓርሰ ሓገዝ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ከባቢ ደብሪ ዝርከብ ቦታ ብሎክ ቁፅሪ 666 typology- 5 ህንፀቱ ንምስላጥ ስለዝደሊ ኣብዚ ዝስዕብ ዝተጠቀሱ ዝርዝር ስራሕቲ ስራሕ ክትሳተፉ እትደልዩ ተቋረፅቲ ህንፃ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ማሕበር ደ/ኣንስትዮ ትግራይ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝኾነ መከባበያ ብሽቦ ሓፁር ተጫረቲ ኣወዳዲራ ክተሕፅር ትደሊ፤

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ናይ ህንፃ ስራሕ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ብበጀት ዓመት 2011ዓ/ም ውሽጢ ቤት ትምህርቲ መንገዲ ብክልተ ወሰኑ ብእምኒ መንደቅ ብፀፀር/ጃህያ/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ህንፃ ስራሕ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤